ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቶ ኣብራሃም ያየህ ንጎነጻዊ ለውጢ መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ይኹንኖ


ኣቶ ኣብራሃም ያየህ
ኣቶ ኣብራሃም ያየህ

‘ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓት እናጸላእካዮ ዘድልየካ (ነሰሰርይ ኢቪል) ስርዓት’ዩ’ ኢሎም ናይ ሎሚ ጋሻና ኣቶ ኣብራሃም ያየህ።

እቲ ኢህወዴግ ዝዛረበሉ ምዕባለ ጽቡቅ መዕለቢ ክረክብ እንተኾይኑ፣ መሰረቱ ሰናይ ምምሕዳር’ዩ። ህዝቢ ኣብ ፍርሂን ጭንቂን’ዩ ዘሎ፣ ናይ ሰላም ሃዋሁ’ዶ ንርኢን ኣለና ኢና? ኢሎም ይሓቱ ኣቶ ኣብራሃም።

‘ተቃወምቲ ኢትዮጵያ ካብ ተበታቲንካ ናብ ሓደ ጽላል ዝመጹ ክኾኑ ኣለዎም። መንግስቲ ብወገኑ ንህዝቢን ንተቃወምቲን ከዳምጽ ኣለዎ’ እውን ኢሎም።

ኣቶ ኣብራሃም ያየህ ግና ‘ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብጎነጽ ምውጋድ ማለት፣ ጊዜ ምብትታን ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍደገና’ያ ዘላ ማለት’ዩ’ ይብሉ።

ዝሓለፈ ሰሙን ዘቅረብናዮም ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀን ካልኦት 16 ተጋሩን ኣብ ዝፈረምዎ ሰነድ ‘መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጎነጽ ተወጊዱ፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ይቁም’ ከምዝበሉ ይዝከር።

ሙሉእ ቃለ ምልልስ ምስ ኣቶ ኣብራሃም ያየህ
please wait

No media source currently available

0:00 0:10:54 0:00

XS
SM
MD
LG