ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ከባቢ ምሕዋዩ ንህዝቢ ኣብራሃ ወ ኣጽባሃ ረቢሑ'ዩ ይብል ኣባ ሓዊ


ኣቶ ገ/ሚካኤል ግደይ (እባ ሓዊ)
ኣቶ ገ/ሚካኤል ግደይ (እባ ሓዊ)

'ብደረጃ ትምህርቲ እንተኾይኑ ካብ ናይ ክልተ ወርሒ ትምህርቲ መሰረተ ትምህርቲ ኣይሰገረን፣ እታ መነባብርኡ’ውን ከይሓብአ ‘ጽምዲ ብዕራይ፣ ሓንቲ ላሕሚን ሓደ ኣድጊን ይውንን ከምዝነበረ’ ይዛረብ ኣባ ሓዊ።

ሓረስታይ ገ/ሚካኤል ግደይ (ኣባ ሓዊ) ወሲኹ ‘ኣብ ማእሲን ኣብ ተረሽዋን ይድቅስ ከምዝነበረ’ ይዛረብ። ድሕሪ ናይ ሰላሳ ዓመታት ስራሕቲ ዕቀባ ማይን ሓመድን ሎሚ መርየት ሰቢሑ ከባቢ ናብ ንቡር ተመሊሱ ‘ተጠቃማይ ኮይኑ ከምዘሎ’ ገለጸ።

‘ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ መረብኡ ክልተ ዒላታት ከምዘለዎ፣ ን 5 ሄክታር መርየት ሰለስተ ጊዜ ኣብ ዓመት ብመስኖ ከምዘልምዕ፣ ልዕሊ 600 ማንጎ ኣፕል፣ ጸባ ከፍቲ፣ ማዓርን ዝኣምሰሉን ከምዝሓፍስ’ ገለጸ ኣቶ ገ/ሚካኤል።

'ማዕረ መቐሎ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ከምዝተተግበረ፣ ብፍላይ ደቂ ኣነስትዮን መናእሰይን ተረባሕቲ ኮይኖም ኣለው፣ ኣብ ኣብርሃ ወ ኣጽባሃ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዓቅሚ ዘይብሎምን ካብ 10-20 ዝዕድሚኦምን እንተዘኮይኖም ተጸባዪ ዝባሃል የብልናን ኢሉ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:09:33 0:00

XS
SM
MD
LG