ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣባል ኣመራርሓ ዓረና ትግራይ ዝነበረ ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ተፈቲሑ


ኣቶ ኣብርሃ ደስታ

ኣባል ኣመራርሓ ዓረና ትግራይ ንልኡላንውትን ዴሞክራስን ዝነበረ ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ብዓርቢ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሑ።

ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2007 ዓ/ም ብገበናት ሽብር ካብ መንጎ ዝኸሰሶም ዓሰርተ ሰባት ኣብርሃ ደስታ ሓደ ነይሩ።

ላዕለዋይ ቤይ ፍርዲ ፌደራል እኒ ኣቶ ሃብታሙ ኣያሌው ዝርከቡዎም ተኸሰስቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ 2007 ዓ/ም ንክስታት ዓቃቢ ሕጊ ውዱቕ ብምግባር ምክልኻል ከየድለዮም ብነፃ ኣሰናቢቱዎም ነይሩ።

ይኹን እምበር ኣቶ ኣብርሃ ደስታ፣ኣቶ ዳንኤል ሽበሽን ኣቶ የሺዋስ ኣሰፋን ኣብ ከይዲ ክርክር ነቲ ቤት ፍርዲ ተዳፊእኹም ብዝብል ብማእሰርቲ ተቐፂዖም።

መቕፃዕቲ ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ካብ ናይ ክልቲኦም ዝነውሐ ስለዝነበረ ክሳብ ዝሓለፈ ዓርቢ ተኣሲሩ ፀኒሑ እዩ።ምስ ኣቶ ኣብርሃ ዝተኻየደ ሓፂር ቃለ ምልልስ ይስዕብ።

XS
SM
MD
LG