ዋሽንግተን —
ኣብ ናይ ሎሚ ፍሉይ መደብና፣ ብመሰረት ዝሓለፈ ሰሙን ዝኣተናዮ ቃል፣ ምስ ኣቦ መንበር ዓረና ትግራይ ንሉኣላዊነትን ዴሞክራሲን ኣቶ ኣብራሃ ደስታ ዝተካየደ ቃልምልልስ ሒዝናልኩም ቀሪብና ኣለና።
ኣቶ ኣብራሃ ‘ህዝቢ ትግራይ ንመራሕቱ ይደፍሮም ኣሎ። ዝበለጸ ዕድል እንተዝረክብ ነይሩ፣ ካብ’ቲ ኣብ መድረኻት ‘ተሃድሶ’ ዝተቃልሐ ገምጋማት ‘ዝሓየለ’ ቃላት ምሰማዕና ነይርና’ ይብል።
ዝሓለፈ ሰሙን ጋሻና ዝነበሩ ኣቶ ያሬድ ዓለም-ሰገድ፣ ኣብ እዋን ምኽባር ለካቲት 11 ተመዝጊቦም ንዝበልዎም ኣዎንታታት ምግላጾም ዝዝከር’ዩ። ተቃዋማይ ፓርቲ ዓረና’ከ እንታይ ይብል?
ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስምዕ ይክኣል።