ዋሽንግተን —
ኣብቲ ኣብ ዋና ከተማ ኣይቨሪኮስት አቢጃን ዝርከብ ዕዳጋ ዘጋጠመ ባርዕ ክሳብ ሕጂ ዝሞተ ሰብ ከምዘየለ እንተተገልጸ እቲ ባርዕ ካብ ትማሊ ሰንበት ምሸት ክሳብ ሎሚ ሶኑይ ንግሆ ቀጺሉ ምውዓሉ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ዝተባህለ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ገሊጹ።
እቲ ባርዕ ሓዊ ንዋና ክፍሊ እቲ ዕዳጋ ምዕናውን ጠንቂ እቲ ባርዕ ንምፍላጥ ምርመራ ይካየድ ምህላው ፖሊስ እታ ከተማ ሓቢሮም አለው።
መጥፋዕቲ ሓዊ እታ ከተማ ነቲ ሓዊ ንምጥፋእ ነዊሕ ጊዜ ከምዝወሰደሎምን ነበርቲ እቲ ከባቢ’ውን ኣብ ምጥፋእ’ቲ ሓዊ ከምዝተሓባበሩ ተገሊጹ’ሎ።
ዕዳጋ አቦቦ መግቢ፡ ባህላዊ ክዳውንቲ፡ ስርሓት ኢደ ጥበብብን ካልኦት ኣቑሑት ዝሽየጠሉ ዓብይ ዕዳጋ ምንባሩ ይግለጽ።