ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወረዳ ኣበርገለ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ምእታዋ ተሓቢሩ


ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ዝጸንሐ ወረዳ ኣበርገለ፣ ካብ ትማሊ ረቡዕ 29 መጋቢት 2023 ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከምዝኣተወ ተፈሊጡ።

ድሕሪ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ናብ ከባቢኦም ከምዝተመለሱ ዝገለጹ ወሃብቲ ርእይቶ፣ ምስ ቤተሰቦም ብምርኻቦም ከምዘሐጎሶም ሓቢሮም። እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ኣብ’ቲ ዞባ ወረዳ ጻግብዥ ሎሚ’ውን ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ከምዘላን ተፈናቀለቲ ናብ ከባቢኦም ንክምለሱ መንግስቲ ሓላፍነቱ ንክፍጽም፣ ቤት ጽሕፈት ርክብ ህዝቢን መንግስቲን’ቲ ወረዳ ጸዊዑ።

ኣቐዲሙ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ዝተሓተቱ ኣመራርሓ ሓይልታት ትግራይ "ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝኾነ መሬት ክልል ኣምሓራ የለን" ከምዝበሉ ዝዝከር እዩ።

XS
SM
MD
LG