ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ኣጠማምታ ሓደ ግብፃዊ ንኣጠቃቅማ ማይ ናይል


Nepal hindu davlat bo'lsin deya talab qilayotgan fuqarolar
Nepal hindu davlat bo'lsin deya talab qilayotgan fuqarolar
ኣዛዚ ሰራዊት ነበር ግብፂን ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ፕረዚደንታዊ ሕፁይ ዝባሃሉን ፊልድ ማርሻል ኣል ሲሲ፣ማይ ናይል ማዕረ ህይወት‘ዩ፤ብተመሳሳሊ ንረብሓ ኢትዮዽያ ኣብ ኣባይ ኣቃልቦ ምግባር ግቡእ‘ዩ ኢሎም።

ንሶም ነዚ ቃል‘ዚ ዝሃቡ ኣብ‘ዚ ቀረባ ምስ ሓደ ቴሌቭዥን ኣብ ዘካየድዎ ቃል-ምልልስ‘ዩ።

ኣል-ሲሲ፣ትኹረት ሂቦም ዝተዛረብሉ፣ማይ ንግብፂ ሞት ወይ ህይወት ዝውስን‘ዩ፣ኣብ‘ዚ ጉዳይ‘ዚ ምስ ካልኦት ሃገራት ምዝርራብ ኣገዳሲ፣ቅድም ኢልና‘ውን ክንፍፅሞ ይግባእ ነይሩ ኢሎም።

ድልየት ኢትዮዽያ ምድማፅ‘ውን ግቡእ‘ዩ ዝበሉ እቶም ፕረዚደንታዊ ሕፁይ፣ከም‘ቲ ንግብፂ ኣገዳሲ ዝኾነ፣ናይል ንኢትዮዽያ‘ውን ማዕረ ኣገዳሲ‘ዩ ኢሎም።

ብዛዕባ ካብ ዓብደል ፈታህ ኣል-ሲሲ ዝተዋሃበ መግለፂ ካብ ወገን ኢትዮዽያ መልሲ ዝሃቡ ኣቶ ፊቅኣሕመድ ነጋሽ ”ፊልድ ማርሻል ኣል-ሲሲ፣ፕረዚደንታዊ ሕፁይ ኮይኖም ዘስጉምዎ መርገፂ ዝቅፅልሉ እንተኾይኖም፣ኢትዮዽያ ፍርቂ መንገዲ ተጓዒዛ ክትቅበሎም‘ያ”ኢሎም።

ፊልድ ማርሻል ኣል-ሲሲ፣ኢትዮዽያ ዘይትሰምዐናን ዘይትቅበለናን እንተኾይና እንታይ ክገብሩ‘ዮም? ዝብል ሕቶ ቀሪብሎም፤ይሰምዑና‘ዮም ዘለው፣ይከታተሉና‘ለው።ንኢትዮዽያ እኮ ሸለል ኢልናያ ኢና።ምስ ኢትዮዽያ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣሕዋትና ክንቀራረብ ፃዕሪ ክንገብር ኣይተራኣናን ኢሎም።
XS
SM
MD
LG