ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ን3 መዓልታት ዝጸንሑ ኣባ ሰረቀብርሃን ንትካል ሃገራዊ ድሕነት ከሲሶም


ኣባ ሰረቀብርሃን ወልደሰማኤል
ኣባ ሰረቀብርሃን ወልደሰማኤል

ካብ ኣውስትራልያ ናብ ክልል ትግራይ ንምጋሽ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ምስ በጽሑ ዝተኸልከሉ ኣባ ሰረቀብርሃን ወልደሰማኤል ብመገዲ ጠበቖኦም ኣቢሎም ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ክሲ ከም ዝመስረቱ ጠበቖኦም ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።

እቶም ናብ ቀዳማይ ፌደራል ቤት ፍርዲ፡ ኣራዳ መጋባእያ ክሲ ከምዘቕረቡ ዝገለፁ ጠበቓ፡ ንዓንቀጻት ክልከላ ምንቅስቓስን ማእሰርቲን ጠቒሶም ምኽሳሶም ኣፍሊጦም። ነቲ ክሲ ዝተቐበለ ቀዳማይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ብወገኑ፡ ሃገራዊ ትካል ደሕንነት ንሎሚ ድሕሪ ቐትሪ ምላሽ ንኽህብን፣ ነቶም ተጠርጣሪ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብን ትእዛዝ ሂቡ እኳ እንተነበረ፣ ናብቲ መጋባእያ ክቐርብ ከምዘይከኣለ ካብቶም ጠበቓታት ሓደ ዝኾኑ ኣቶ ተስፋኣለም በርሀ ንድምፂ ኣመሪካ ሓቢሮም። እቲ ቤት ፍርዲ ድማ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ደሕንነትን ንዝመፅእ ሰኑይ ምላሽ ንክህብ ካልኣይ ትእዛዝ ከምዝሃበ ኣፍሊጦም።

እንታይነቱ ብዘይተፈለጠ ምኽንያት ካብ ረቡዕ ጀሚሮም ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብዘይ ኣገባብ ተታሒዞም ከም ዘለዉን፣ ናብ ክልል ትግራይ ከይኸዱ ከምዝተኸልከሉን ዝገለፁ ኣባ ሰረቀብርሃን ወልደሰማኤል፡ ስለምንታይ ናብ ትግራይ ከይኸዱ ከምዝተኸልከሉ ዋላ እኳ ብዕሊ እንተ ዘይተነገሮም፡ ምስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተጣይሹ ዝበሃል ዘሎ መንበረሰላማ ከሳቴ ብርሃን ቤተ ክህነት ትግራይ ክተሓሓዝ ከምዝኽል ምስማዖም ሓቢሮም። ብዛዕባ እዚ ዝሓተትናዮም ዋና ፀሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያ ኢትዮጵያ ብፁእ ኣባ ጴጥሮስ ግን ኣፍልጦ ከም ዘይብሎም መሊሶም።

ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ብዝተፈላለየ መዝነት ዘገልገሉ ኣባ ሰረቀብርሃን፡ ኣብ እዋን ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብማሕበራዊ ሚድያን ብመራኸብቲ ሓፋሽን ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ብምሃብ'ውን ይፍለጡ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG