ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትግራይ-ኢትዮጵያ ሽልማት ወርቂ ተቐቢላ


ስነ ስርዓት ምቕባል ሽልማት ኣብ ቻይና
ስነ ስርዓት ምቕባል ሽልማት ኣብ ቻይና

ክልል ትግራይ ኢትዮጵያ ብስራሕቲ ምክንኻን ሃብቲ ተፈጥሮ ብደረጃ ዓለም ዝረኸበቶ ሽልማት ወርቂ ቅድሚ ትማሊ ሶኒ ኣብ ቻይትና ኣብ ዝተዳለወ ስነ ስርዓት ተቐቢላ።

ሬድዮ ፋና ብመሰረት ዝፈነዎ ዜና ነቲ ሽልማት ዝተረከቡ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ኣቶ ኣባይ ወልዱ እዮም።

ኣብ'ቲ ዓለም ለኸ ውድድር ምሕዋይን ምዕቃብን ከባቢ ትግራይ-ኢትዮጵያ ቀዳማይን ተሸላሚት ወርቂ፣ ብራዚልን ቻይናን ካልኣይን ተሸለምቲ ብሩር፣ ዮርዳኖስ፣ ኣውስትራልያን ኒጀርን ሳልሳይን ተሸለምቲ ነሓስን ከምዝኾኑ ዝዝከር'ዩ።

XS
SM
MD
LG