ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምስ ኣቶ ኣባይ ወልዱ ዝተካየደ ቃለ-ምልልስ


ኣቶ ኣባይ
ኣቶ ኣባይ
”ዴሞክራሲ ኣብ ኢትዮዽያ መማረፂ ተይኮነስ ግድን ክትግበር ዘለዎ ነገር‘ዩ ዝባሃለሉ ንዓረና፣ ንመድረኽ ወይ ንኢህወዴግ ተባሂሉ ዝፍፀም ኣይኮነን።ዴሞክራሲ መእንተ ህዝቢ ተባሂሉ እዩ ዝትግበር።ኢህወዴግ ይኹን ህወሓት በዚ‘ዮም ዝኣምኑ።ስለዚ ንዓረና ብምፅላእ፣ንመድረኽ ብምፅላእ ዝዕፆ ነገር የለን” ይብሉ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ።

ንሶም ምስ ቪኦኤ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-ምልልስ ”ኣብ ትግራይ ይኽሰቱ‘ዮም ተባሂሎም ዝግለፁ ‘ፀገማት‘ ኣብ ትግራይ ዘየለው ፀገማት‘ዮም።ኣባል ዓረና ብእምኒ ዝውቀዐሉ፣ዝእሰረሉን ዝቅተለሉን ተሰሚዑ‘ውን ኣይፈልጥን” ኢሎም።

ፀገም ጉቦ ኣብ ትግራይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ ድማ ”ሰናይ ምምሕዳር እንዳተማሓየሸ ዝኸደሉ ኩነታት ብሓደ ወገን፣ሓሓሊፉ ናይ ኣድልዎን ጉቦን ፀገማት‘ውን ይራኣዩ‘ዮም” ዝብል ሪኢቶ ሂቦም።

ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ኣብ ኢትዮዽያ ይኽሰት ዘሎ ምስሕሓብ ምስ ገለ ኣመንቲ እስልምና፣ካብ ሃይማኖታዊ - ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎ‘ዩ ኢሎም ኣቶ ኣባይ ወልዱ።

ንሶም ምስ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-ምልልስ፣መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ጣልቃ ከምዘይኣቱ፣ዝኾነ ሃይማኖት ኣብ ህውከት ኢዱ ክሓውስ ከምዘይብሉን፣ኣይሰምዕን ዝብል ወገን እንተሃልዩ ግና ስጉምቲ ከምዝውሰዶ ጠቂሶም።

ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ብስም እስልምና፣መራሕትና ተኣሲሮምና‘ዮም ፍትሑልና ኢሎም ዝሓቱ ዘለው ግና፣ነቲ ጉዳይ ፖለቲካዊ ትርጉም የትሕዝዎ ከምዘለው ሓቢሮም።ብድሕሪ‘ቲ ምስሕሓብ ኢድ መንግስቲ ኤርትራን ካልኦት ፅንፈኛታትን ዝበልዎም ከምዝርከቡ ገሊፆም።

ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት) ወይ Efort ኢንዶውመንት‘ዩ። ብቦርድ ዝምራሕን ተፀዋዕነቱ ንቤት ምኽሪ ትግራይ‘ዩ፣ወናኒኡ ድማ ህዝቢ ትግራይ‘ዩ ይብሉ። ትእምት ተሓታትነቱ ንህዝቢ፣ኦዲትን ቁፅፅርን ብወፃእተኛታት ኦዲተራት ከምዝረጋገፅ ኣቶ ኣባይ ወልዱ ገሊፆም።ኢህወዴግ ይኹን ህወሓት ፖለቲካዊ ፓርቲታት‘ምበር ኣብ ስራሕቲ ንግዲ ከምዘይሳተፉ ይሕብሩ።

ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ኣብ ትግራይ ይራኣይ ዘሎ ፀገም ሕፅረት ተኾናተርቲ ምኳኑን ብርክት ዝበሉ ኳዕቲ ማይ ኣለውና ግን ነቲ ኮንትራክት ክቅበል ዝኽእል እኹል ሓይሊ ሰብ ዘይብልና ምኳኑ‘ዩ ኢሎም።

ቀዳማይ ክፋል
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:32 0:00
መራገፊ

ካልኣይ ክፋል
please wait

No media source currently available

0:00 0:11:57 0:00
መራገፊ

ሳልሳይ ክፋል
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:39 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG