ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብፃዊ በዓል-ስልጣን ኣብ ኢትዮጵያ መገሻ ንክፍፅሙ ጠለብ ኣቅሪቦም


ኢትዮጵያ ነቲ ጠለብ ይግምግሞ'ለኹ ትብል

ላዕለዋይ ባዓል ስልጣን ግብፂ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መገሻ ንክፍፅሙ ዘቅረብዎ ሕቶ ይግምገም ከምዘሎ ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮዽያ ኣፍሊጡ።

ካብ ማይ ኣባይ 86 ሚእታዊ ተዋፅእ ኢትዮዽያ ነቲ ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ግድብ ኣብ‘ዚ ሩባ‘ዚ ክሃንፅ‘የ ኢላ ዘፍለጠት ኣብ‘ዚ ቀረባ‘ዩ ነይሩ።
መንግስቲ ግብፂ ነዚ ዝተጠቅሰ መገሻ ክፍፅም ድልየት ከምዘለዎ ዝሓበረ ድማ ድሕሪ‘ቲ ህንፀት ግድብ ወግዓዊ ምኻኑ ስዒቡ‘ዩ።

ብቴሌፎን ተሓቲቶም ሪኢቶኦም ዝሃቡ ወሃቢ-ቃል ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮዽያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብወገኖም፣እቲ ሕቶ መገሻ ከምዝቀረበ ኣረጋጊፆም‘ለው።

”ሓቂ’ዩ ምክትል ቀ/ሚ እዮም ነቲ ሕቶ ዘቅረቡ።ይኹን‘ምበር ዝርዝር ትሕዝቶን እቲ መገሻ መዓስ ከምዝፍፀምን ብክልቲኤን ሃገራት ተራእዩ ዝውሰን‘ዩ ዝኸውን” ይብሉ እቶም ኣምባሳደር።

ምክትል ቀ/ሚ ግብፂ ምስ ሰበ-ስልጣን ኢትዮዽያ ዝህልዎም ቀንዲ መዘራረቢ ኣጀንዳ፣እቲ ኣብ ኣባይ ክህነፅ ተወጢኑ ዘሎ ግድብ ህዳሴ እንተኾይኑ ዝተሓተቱ ኣምባሳደር ዲና ዝርዝር‘ቲ ኣጀንዳ ኣብ ጊዚኡ ክጥቀስ‘ዩ ኢሎም።

ኢትዮዽያ ንግድብ ኣባይ ንከይትሃንፅ ግብፂ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ክተታዓናቅፍ ከምዝፀንሐት ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ደጋጊሞም ከምዝገለፁ ዝዝከር‘ዩ።ኣብ ግብፂ ዝተኸሰተ ህዝባዊ ማዕበል ዘስዕቦ ለውጢ ኣብ ቅድሜና ንሪኦ ጉዳይ‘ዩ ዝበሉ ኣቶ መለስ ኣስዒቦም፣

“እቶም ቅድሚ ሎሚ ዝነበሩ መንግስታት ይኽተልዎ ዝነበረ ፖሊሲ ንፁር‘ዩ።ኣብ ኢትዮዽያ ግድብ ኣባይ ንክህነፅ ድልየት ኣይነበሮምን።
ኢትዮዽያ ኣብ ሩባ ኣባይ ግድብ ንከይትሃንፅ፣ዝስዕብዎም ዝተፈላለዩ ስትራተጂታት ነይሮም።ልዕሊ ሚእቲ ዓመት ዝዘለቀ‘ዩ።ግብፂ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እንግሊዝ ኣብ ዝነበረትሉ መዋእል‘ዩ ጀሚሩ” ኢሎም ኣቶ መለስ ዜናዊ።

እንግሊዛውያን ሕርሻ ጡጥ ኣብ ግብፂ ስለዝነበሮም ንሕና ከይፈቀድና፣ኣብ ላዕላይ ክፍሊ ኣባይ ዘለኽን ሃገራት ንማይ ኣባይ ከይትጥቀማሉ ዝብል ፖሊሲ ይትግበር ከምዝነበረ ኣቶ መለስ ንፓርላማ ኢትዮዽያ ገሊፆም‘ዮም።

ብመንፅር ኢትዮዽያ ግና እቲ ኩነታት ዝዕወት ኮይኑ ኣይተረኽበን‘ውን ኢሎም ቀ/ሚ መለስ፣ንሶም ወሲኾም ”ኣፄ ምንሊክን እንግሊዝን ውዕል ዶብ ኣብ ዝተፈራረሙሉ ጊዜ፣ተመሳሳሊ ነገር ክገብሩ ፈቲኖም ነይሮም ግና ኣይተዓወቱን።ኣፄ ምኒልክ ዝተወዓዓልሉ ነገር ኣሎ እንተኾይኑ፣ዋሕዚ ሩባ ኣባይ ኣየቋርፅን ኢልካ ፈርም ተባሂሎም ፈሪሞም‘ዮም።ብዘይካ እግዚሄር ንዋሕዚ‘ቲ ሩባ ከቋርፆ ዝኽእል ሓይሊ የለን።ኣየቋርፆም ኢሎም ምፍራሞም ኣልቦ ትርጉም‘ዩ” ይብሉ።

ብምኽንያት‘ዚ ንኢትዮዽያ ክእግዳ ዝኽእል ሕጊ ስለዘይነበረ፣ግብፃውያን ካልኦት ስትራተጂታት ይጥቀሙ ከምዝፀንሑ ኣቶ መለስ ይጠቅሱ።እቶም ስትራተጂታት ይብሉ እቶም ቀ/ሚ ሓደ ኢትዮዽያ ልቃሕ ገንዘብ ንከይፍቀደላ ምዕንቃፍ፣ብተዘዋዋሪ ምህዋኽን ገዚፍ ሰራዊት ሃኒፅካ ምፍርራሕን‘ዮም።እዞም ስትራተጂታት‘ዚኣቶም ሎሚ‘ውን ኣይተቀየሩን ዝብሉ ኣቶ መለስ ዜናዊ፣ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ገለ ዘተባብዕ ምልክታት ይኽሰቱ‘ለው ኣብኡ ኢና ክነትኩር ንደሊ‘ውን ኢሎም።

ኣብ‘ዚ ቀረባ ላዕለዋይ ባዓል-ስልጣን ግብፂ ኣብ ኢትዮዽያ ካብ ዝፍፅምዎ መገሻ ድማ ኩነታት ግብፂ ኣበይ ከምዝርከብ ሓባሪ ምልክት ክርከብ ይኽእል ይኸውን‘ዩ ይብል እስክንድር ፍሬው ካብ ኣ/ኣ ዝላኣኾ ሪፖርት።

XS
SM
MD
LG