ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ምዕዋት ግድብ ኣባይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ክተሓባበር ፕሮፈሰር መኮንን ተስፋሁነይ ፀዊዖም


Mekonen Tesfahuney
Mekonen Tesfahuney

ብድሕሪ ግብፂ ዘሎ ተፃባኣይ ረብሓ ክፍለጥ ኣለዎ'ውን ይብሉ

መንግስቲ ኢትዮዽያ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ግድብ ኣብ ሩባ ኣባይ ንምህናፅ ወሲኑ፣ዓለም ትካላት-ገንዘብን መሻርኽቲ-ምዕባለን ብገንዘብ ኣይንሕግዝን ስለዝበሉ ህዝቢ ኢትዮዽያ ነቲ ፕሮጀክት ብሓላፍነት ተረኪቡ ንክፍፅም መፀዋዕታ ኣቅሪቡ‘ሎ።ነቲ ምስ ግብፂ ወይ ናብ ምውጣጥ ወይካኣ ናብ ሓባራዊ ምትሕግጋዝ ከብፅሕ ይኽእል‘ዩ ዝተባሃለሉ ግድብ ዘማእከለ ቃለ-ምልልስ ኣሎ።ኣብ ዩኒቨርስቲ ስዊድን መምህርን ተመራማሪን ዝኾኑ ተሓጋጋዚ ፕሮፈሰር መኮንን ተስፋሁነይ’ዮም ናይ ሎሚ ጋሻና።

ንሶም ኣብ ቃለ-ምልልሶም፣እቲ ክፍለጥ ዘለዎ ሃገራዊ ረብሓን ደሕንነትን ግብፂ ምስ ደሕነትን ፀጥታን እስራኤል ብቀጥታ ዝተኣሳሰር ስለዝኾነ'ዩ ዓለም-ለኽ ትካላት ገንዘብን ምዕራባዊያንን፣ኢትዮጵያ ነቲ ህንፀት ግድብ ኣብ ኣባይ ንከይተዕውት ዘዕንቅፋኣ ዘለዋ ኢሎም።
ብዘይካዚ ኣብ'ዚ ሃገራዊ ረብሓ ዘረጋግፅ ፕሮጀክት'ዚ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብኣረኣእያ ከይተፈላለየ ንምዕዋት'ቲ ግድብ ሆ ኢሉ ክላዓል ይግባእ ይብሉ ፕሮፈሰር መኮንን ተስፋሁነይ።

XS
SM
MD
LG