ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ፈለግ ኣባይ ክህነጽ ብዛዕባ ዝተባህለ ሓጽቢ “ህዳሰ” ክትዕ-2ይ ክፋል


ናብ ህዝቢ ቦንድ ብዛዕባ ምሻጥን ኣብ ግብጺ ዘሎ ኣተሓሳስባን`ውን የካትዖም

ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ፡ ዝቕመጥ ኣቶ ኣለምሰገድ ኣባይ፡ ዕላማ ፕሮጀክት ግድብ ሩባ ኣባይ፡ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ክሳብ ዝኾነ፡ ብምሉእ ዓቕምና ክንድግፎ ዝግባእ`ዩ ይብል።

ኣብ ኖርወይ ዝነብር ኣቶ ሃይለማርያም ወልዳይ ብወገኑ፡ ሓጽቢ ምስራሕ ዝቃወም ክህሉ ኣይክእልን፡ የግዳስ ምሉእ መጽናዕቲ ዘይተገብረሉ፡ ምስ ተቓወምቲ ምምኽኻር ዘይተገብረሉ ፕርጀክት ኣብ መፈጸምትኡ ክተብጽሖ ኣሸጋሪ`ዩ ይብል።

ቦንድ ናብ ህዝቢ ሸጥካ ነቲ ሓጽቢ ምህናጽ ከምዝክኣል ዝኣምን ኣቶ ኣለምሰገድ፡ እቲ ቐንዲ ነገር እቲ ህዝቢ ተሳታፍነቱ ብምሕያል ኣብ`ቲ ናይ ልምዓት ፕሮጀክት ዋንነት ንኽስምዖ ምግባር`ዩ ይብል።

ኣቶ ሃይለማርያም ግን፡ ቦንድ ማለት ሕጋዊ ወረቐት ስለዝኾነ፡ ሓደ ቦንድ ዝገዘአ ሰብ ንመንግስቲ ክኸሰሉ ዝኽእል ናጻ ቤት-ፍርዲ ኣብታ ሃገር ክሳብ ዘይሃለወ፡ ቦንድ ክሰርሕ ኣይክእልን`ዩ፡ ቅንዕና ዘይብሉ ኣካይዳ`ዩ ይብል።

ካልኣይ ክፋል`ቲ ክትዕ ንምስማዕ ኣብ`ዚ ጠውቑ፡

ቀዳማይ ክፋል`ቲ ክትዕ ነዚ ምልክት ድምጺ ብምጥዋቕ ምስማዕ ይክኣል፡

XS
SM
MD
LG