ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ስልጣኖም ንምልቃቕ ሕቶ ኣቕሪቦም


ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣባዱላ ገመዳ
ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣባዱላ ገመዳ

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣባዱላ ገመዳ ስልጣኖም ንምልቃቕ ሕቶ ኣቕሪቦም።ምኽንያት መልቀቕየይ ኣብ መጻኢ ክገልፅ እየ ክብሉ እውን ትማሊ ሰንበት ንመራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም።

“ኣብዚ ዝበፃሕኹሉ ብርኪ በዚ ሓላፍነት ንምቕፃል ዘየኽእሉኒ ምኽንያታት ስለዘለውን ድልየት እውን ስለ ዘይብለይን ንውድበይን ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢን መልቀቒ ሓቲተ ኣለኹ።”

ሕቶይ ካብ ኣፈጉባኤ መዝነት ንምልዓል እንተኾነ እውን ንዝመረፀኒ ህዝብን ዝምረፀኒ ውድብን ስለዘኽብር ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ኣባል ኮይነ ክቕፅል እየ ኢሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG