ዋሽንግተን —
ኣብ መኤ ቦኮ መበል 75 ስነ-ስርዓት ርክክብ ምምሕዳር ጉጂ ገዳ ተዛዚሙ። እቲ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ መዓልታት ብዝተፈላለዩ ብርክታትን ኣገባታትን ተዋዲዱ ዝቀጸለ ስርዓተ ገዳ፣ ንዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ንጉጂ ስርዓት ገዳ ይመርሑ ዝነበሩ ኣባ ገዳ ጅሎ መንድኦ፣ ስልጣኖም ንሓድሽ ኣባ ገዳ ጃርሶ ዱጋ ኣረኪቦም ኣለው።
ሓላፊ ቢሮ ርክባት ዞባ ጉጆ ኣቶ ኣሸዓንፍ ዴንቁ ኣብ'ቲ ስነ ስርዓት፣ ካብ ሶማሊላንድን ኬንያን ሓዊሱ፣ ካብ ጎረባብቲ ሃገራትን ካብ ዝተፈላለዩ ክልላትን ዞባታት ክልል ኦሮምያን ዝመጹ ኣጋይሽ ከምዝተረኸቡ ጠቂሶም።
እቲ ስነ ስርዓት፣ ብዘይ ገለ ጸገም ጸጥታ ከምዝተዛዘመ'ውን ኣቶ ኣሸናፊ ሓቢሮም ክብል ክፍሊ ኣፋን ኦሮሞ ድምጺ ኣመሪካ ዘዳለዎ ሪፖርት ይሕብር።
ቅጥዒ