ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ኣብቲ ዝመፅእ ሓድሽ ናይ ትምህርቲ ዓመት ሓዱሽ ኣገባብ ምዝገባ ተማሃሮ ከም ዘተኣታተወ ሎሚ ሰኑይ ኣፍሊጡ።
ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2024 ብዘውፀኦ ኣዋጅ መሰረት ሙሉእ ብሙሉእ ባዕሉ ከመሓድር ብዝተዋህቦ መሰል ሚኒስትሪ ትምህርቲ ናብቲ ዩኒቨርስቲ ዝገብሮ ዝነበረ ምደባ ተማሃሮ ከምዘይቕፅል ገሊፁ። ኣብ ክንድኡ መእተዊ ፈተና ብምሃብ ተማሃሮ ዝሓርየሉን ዝቕበለሉን ሓዱሽ ስርዓት ክስዕብ‘ዩ።
ግዝያዊ ፕረዚደንት'ቲ ዩኒቨርሲቲ ዶ/ር ሳሙኤል ክፍለ ሎሚ ንመሓውራት ዜና ከምዝበልዎ እቲ ዩንቨርስቲ ርእሱ ክኢሉ ምምሕዳር ምስ ጀመረ ንመእተዊ ፈተና ዝሓለፉን ንዝለዓለ ትምህርቲ ዕድል ዝረኸቡን ኣስታት 5,000 ተማሃሮ ክቕበል ምዃኑ ገሊፆም።
ካብዚኦም ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ብዝኸፍሎ ዕድል ትምህርቲ ዝረኸቡን ክፍሊት ላዕለዎት ትምህርቲ ባዕሎም ምኽፋል ዝኽእሉን ምዃኖም ወሲኾም ኣረዲኦም።
ኣመሪካ’ውን በቲ ኣካል ናይቲ ብኤምባሲ ኣመሪካ ጉጅለ ክኢላታት ቴክኒክ ኣቢሉ ዝድገፍ ንዓለምለኻዊ ትካላት ትምህርቲ ዝምወል 316,000 ሽሕ ዶላር ኣቢላ ነቲ ላዕለዎት ኣብያተ ትምህርቲ ርእሰን ንምኽኣል ዝግበር ዘሎ ናይ ምስግጋር መስርሕ ትድግፎ ኣላ።
ምስግጋር ርእሰ ምሕደራዊ መስርሕ መንግስታዊ ዩኒቨርስቲታት ኢትዮጵያ ኣብ ስርዓት ላዕለዋይ ትምህርቲ ወሎዳዊ ለውጢ ዘምፅእ፣ ናብ መገዲ ዝዓበየ ኣካዳሚያዊ ናጽነት ዝመርሕ፣ ፋይናንሳዊ ቁፅፅሩ ዘዛይድን ምስ ውሽጣውን ዓለምለኻውን መሻርኽቲ ምትእስሳራት ዘዕቢን እዩ። ዝያዳ ኩሉ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ድማ ጽሬት ትምህርቲ ምምሕያሽ ዘኸእል ምዃኑ ንሰበስልጣን ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብምጥቃስ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ዘውፀኦ መግለፂ ምሕባሩ ዝዝከር እዩ።
እቲ መግለፂ ኣመሪካ ንመንግስታዊ ዩንቨርስቲታት ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ኣብ ዘዳለወ ዋዕላ ስዒቡ ዝተዳለወ እዩ።
ቅጥዒ