ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብያተ ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ፌደረሽንን ኢትዮጵያ ሓባራዊ አኼባ አካይዱ


ንምጅማር ስራሕ ኣብያተ ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ፌደረሽንን ብመደረ ዝኸፈታ ናይ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብዚ ዓመት ዝካየድ ምርጫ ካብቶም ዝሓለፉ ምርጫታት ብዝሓሸን ዓለምለኸ መዐቀኒ ብዘማልአን ክፍፀም እዩ ኢለን።

ሓምሻይ ናይ ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ናይ ፌደረሽን ቤት ምኽሪን ሻድሻይ ዓመት ናይ ስራሕ ዘመን ቀዳማይ ናይ ሓባር ኣኼባ አኻይዱ'ሎ።

ብርክት ዝበሉ ዛዕባታት ኣብ ዝዳህሰሰ ናይ ፕረዚደንት ሳህለወቅ ዘውዴ ናይ መኽፈቲ መደረ ዝሓለፈ ዓመት ከም ሃገር ዘኹርዑ ዓወታት ዝተመዝገብሉን ብኣንፃሩ ድማ ብዘሕዝን ኩነታት ናይ ሰባት ሞትን ምምዝባል ግጭትን ዕንወት ንብረትን ዝተኸሰተሉ እዩ ነይሩ ኢለን።

ፕሬዝዳንት ሳህለወርቅ ናይ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ሰላም ፃዕርን ሽልማት ኖቤልን ናይ ኢትዮጵያ መልክዕ ንዓለም ኣብ ምፍላጥ ዝተፃወቶ ጊደ ዝዓዘዘ ነይሩ ኢለን ። ዝሓለፈ ዓመት ጉድለታት ኣሰራርሓ ዝነበሮ ተኣሪሙ ናብ ስራሕ ዝተኣተወሉ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዲፕሎማሲያዊ ተፅእኖታት ተፃዊራ ህልውንኣ ዘኽበረትሉ ከምዝነበረ እውን ገሊፀን።

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝሓሸ ምንቅስቃስ ዝተመዝገበሉ ነይሩ ዝበላ ፕረ. ሳህለወርቅ ኣብ ህንፀት ዴሞክራሲ ዝተሰርሐ እውን ዝተባባዕ ነይሩ ኢለን። ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝተሰርሑ ስራሕቲ እውን ውጽኢታዊ ነይሮም ኢለን።

ብኣንፃሩ ድማ ካብ ኮቪድ ክሳብ ፀጥታ፣ካብ ምንዋሕ ምርጫ ክሳብ ወራር ኣንበጣ ኢትዮጵያ ዝተፈተነትሉ ኮይኑ ሓሊፉ ክብላ ገሊፀን።

ኣብ 2013 ዓ.ም ትኹረት ዝወሃቦ ጉዳያት ኣብ ትሕቲ ተፅዕኖ ስምዒትን ጉልበትን ወዲቑ ዝነበረ ሃዋህው ዴሞክራሲ ብሕግን ስርዓትን ክምራሕ መንግስቲ ትኹረት ሂቡ ክንቀሳቐስ እዩ ኢለን።

ፕሬዝዳንት ሳህለወርቅ ኣብዚ ተታሒዙ ዘሎ ዓመት ካብ መንግስቲ ወፃኢ ዝኾነ ይኹን ኣካል ኣፅዋር ሒዙ ከይንቀሳቐስ ክግበር እዩ ኢለን ኣለዋ።

ፍትሓውን ናይ ህዝቢ ፍቓድን ዝተረጋገፀሉ፣ዓለምለኸ መመዘኒታት ዘማልአ ሃገራዊ ምርጫ ከምዝካየድ ሓቢረን።

ኣብቲ ስነስርዓት ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ሓመድ፣ዲፕሎማትን ኣጋይሽን ተረኺቦም ነይሮም ይብል ፀብፃብ መስፍን ኣራጌ ካብ ደሴ።

XS
SM
MD
LG