‘’ትግራይ ምፅባይ ይኣኽላ’’ \Tigray Cannot Wait\ ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭብጢ ወይ ቴማ ካብ ዙሪያ ዓለም ዝተዓደሙ ኣጋይሽ ዝሳተፍሉ ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብን ግንዛበ ናይ ምፍጣርን ናይ ኢንተርኔት ወይ ቨርቹዋል ዋዕላ ይካየድ ኣሎ።
ካብ ፍርቂ ማዕልቲ በዚ ናይ ከባቢና ስዓት ኣቆፃፅራ ጀሚሩ ኣብዚ ሕዚ ስዓት ኣብ ምክያድ ይርከብ።ገብረ ገብረመድህን ቅድም ኢሉ ካብ ኣተሓባበርቲ ናይቲ ፕሮግራም ንዶክተር ሙሉጌታ ገብረእግዚኣብሄር ኣዘራሪብና አለና ።
እዚ ‘’ትግራይ ምፅማም ወይ ምፅባይ ይኣኽላ’’ Tigray Cannot Wait ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭብጢ ንሓደ ማዕልቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ቨርችዋል መደብ ብርክት ዝበሉ ዛዕባታት ክሳለጡ እዮም ብመሰረት ናይቲ ዋዕላ ኣተሓባባሪ ዶክተር ሙሉጌታ ገብረእግዚኣብሄር።
ዶክተር ሙሉጌታ ገብረእግዚብሄር ኣብ Medical University of South Carolina ፕሮፌሰርን ምኽትል ሓላፊ ክፍሊ Public Health Science እዩ።ኣ ኣብ ናይ ሕብረተሰብ ኣገልግሎት ከምዝዋሳእ ዝገልፅ ዶክተር ሙሉጌታ ኣካልእቲ ናይ ሕብረተሰብ ኣገልግሎታት ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ኣብ ዓለምለኸ ጥዕና ምርምራት ምትእትታው ምስ ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ፣ምስ ዩኒቨርስቲ መቐለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እውን ምስ ብዓል ቅዱስ ጳውሎስ ዩኒቨርስቲ ምስ ቲ ዝሰርሐሉ ዩኒቨርስቲ ሳውዝ ካሮላይናንምትሕግ ጋዝ ንዝሓለፊ 15 ዓመታት ከምዝሰርሕ ይገልፅ።
ናይቲ ዋልዕላ ዕላማ ኣብ ትግራይ ዝዓነወ መሰረት ልምዓትን ንምህናፅ ገንዘብ ንምትእኽኻብን ኣድላይነት ሰላም ንምዝታይን እዩ ኢሎ ዶክተር ሙሉጌታ።ንናይ ታሪኽ ዘዘንትው ናይ ውሽጥን ወፃን ምሁራት፣ንትግራይ ንእትዮጵያ ዝፈልጡን ኣብኡ ዝሰርሑን ብዛዕባ ዝፈልጡን ዝምዖምን ክገልፁ ናይ ፓነል ዘተ ይካይድ ኣሎ።
ናይዚ መደብ ኣዳለወቲ Engaging Diaspora for Research and Education ዝብሃል ውዳበ፣Security and Justice for Tigray ድሕነትን ሰላም ንህዝቢ ትግራይ ዝተብሃለ ማሕበር ክልቲኦም ኣብዚ ኣብ ዩናይትድ ስቴት ስ ዝመደብሮም ውዳበታት እዮም ብማሕብር ልምዓት ትግራይ፣ማረትን ምዃነን ኣብ ኣሜሪካ ዝርከባ ዝተፈላለያ ናይ ተጋሩ ማሕበራትን ከምዝተሳተፋሉ ዶክተር ሙሉጌታ ገሊፁ።
ኣብዚ ሎሚ ፍርቂ ማዕልቲ ጀሚሩ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ በዚ ናይዚ ከባቢና ኣቆፃፅራ ስዓት ዝካየድ ዘሎ ኣብ ክለብ ሃውስ ዝብሃል ፕላትፎርም ወይ መድረኽ ስነስርዓት ካብ ኣመሪካ፣ካናዳ፣ኣውሮፓን ኣውስትራሊያን ዝመፁ ኣጋይሽ ይሳተፉ ኣለው።ዝተፈላለዩ ናይ ፓናል ምይይጣት፣ናይ ሙዚቃ ምርኢትን ካልኦትን ከምዝቐርብ ካብቲ ፕሮግራም ንምፍላጥ ይክኣል።ኣብዚ መደብ ዝተልዓሉ ጉዳያትን ዝተወቕዑ ሸቶታትን ኣብ ቅፃሊ ሒዘልኩም ከቐርብ እየ።