ቃላት ሳርኮዚ ብጥንቃቐ ዝተመርጸ`ዩ ኔሩ።ግን መልእኽቶም ካብኡ ንላዕሊ ግልጺ ክኸውን ኣይክእልን`ዩ። እቶም ንለውጢ ጸማም እዝኒ ዝህቡ መራሕቲ ኣብ ሓደጋ `ዮም ዘለዉ ኢሎም።
"ለውጢ ክመጽእ ኸሎ ክሳብ ናብ ጎንጺ ዝሰጋገር ስቕ ኢልካ ዲኻ ትጽበ ወይስ ባዕልኻ ንዘይጎንጻዊ ለውጢ ትዳሎ? ሓደጋ ከይተጸበኻን ትጠልቀሉ ዕድል ኸይሃብካን ኣብ ዝግበር ለውጢ ፈረንሳ ድጋፍ ኣለዋ"
ግብጺ፡ ቱኒዝያ፡ ሊብያ ን ኣልጀርያን፡ ታሕተዎት ስበ-ስልጣነን`የን ናብቲ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ልኢኸን።
ኒኮላስ ሳርኮዚ ኣብቲ ንዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘስምዕዎ መደረኦም፡ ኻልኦት መራሕቲ ኣፍሪቃ`ውን ድልየትን ሃንቀውታን ህዝቢ እንተዘይሰሚዖም፡ ከምቲ ናይ ግብጽን ቱኒዝያን ዕድል ከጋጥሞም ኸምዝኽእል ኣሰሚዖም።
ንምሉእ ጸብጻብ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቕ፡