ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘’ትግራይ ምፅባይ ይኣኽላ’’


‘’ትግራይ ምፅባይ ይኣኽላ’’ \Tigray Cannot Wait\ ኣብ ትሕቲ ዝብልጭብጢ ካብ ዙሪያ ዓለም ዝተዓደሙ ኣጋይሽ ዝሳተፍሉ ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብን ግንዛበ ናይ ምፍጣርን ናይ ኢንተርኔት ወይ ቨርቹዋል ዋዕላ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተኻይዱ ነይሩ።እቲ ዋዕላ ከመይ ሓሊፋ ንዝብል ካብ ኣተሓባበርትን ኣቕራቢ ፅሑፍን ኣጋይሽ ዓዲምና ኣለና።ኣጋይሽና ናይቲ ዋዕላ ኣተሓባባሪ ዶክተር ሙሉጌታ ገብረእግዚኣብሄር፣ዋና ፀሓፊ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ሰሜን ኣሜሪካ ኣቶ ሚክኤል በርሀን ኣብ ኮሎሞምቢያ ስቴት ዩኒቨርስቲ ፕሮፌሰር ኣንትሮፖለጂን ፓነልስት ናይቲ ዋዕላን ዶክተር ኤሪክ ሞንጋመሪን ኩሎም ካብዚ ካብ ዩናይትድ ስቴትስ እዮም።

‘'ትግራይ ምፅባይ ይኣኽላ’’ ንልዕሊ 12 ስዓታት ኣብ ክለብሃውስ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ቨርቹዋል ወይ ናይ ኢንተርኔት ዋዕላ ዛጊድ ተፃፊፉ እንተዘይተፈለጠ እውን ልዕሊ 20,000 ዶላር ገንዘብ ከምዘታኻኸቡ ዶክተር ሙሉጌታ ይገልፅ።ዶክተር ሙሉጌታ ኣብቲ ናይ ፓናል ዘተ ዝነበረ ውዕውዕ ወይ ዝለዓለ ነጥቢ ክብል ዝገለፆ ከምዚ ክብል ይገልፅ።

ኣብቲ ዋዕላ ኣብ ትግራይ ኣብ መዳይ ትምህርቲ፣ቤተ እምነት፣ታሪኽ፣ኣብቲ ህዝቢ ወሪዱ ዝብሃል ዕንወት ካብ ኣቕረብቲ ይኹን ተሳተፍቲ ብስፍሓት ተዘትይሉ።እቲ ዝወረደ ዕንወት ብምዓለምለኸ መራኸቢ ማዕኸናት፣ናይ ሕቡራት መንግስታት፣ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ፣ሕብረት ውሮፓ፣ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ህይወማን ራይትስ ዎችን ሓዊሱ እቲ ዝወረደ ጥቕዓታትን ብርሰታትን ምቕራቡ ብምግላፅ እቲ ሰብ ትርጉምን ካብዚኸ ከመይ ምልዓል ይክኣል ዝበልን ከምዝዘተየሉ ሓቢሩ።

ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዋና ፅሓፊ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣቶ ሚካኤል በርሀ ካብ ቦስተን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ካብ እትምስረተሉ 1989 ኣ\ፈ ን32 ዓመታት እንታይ ዓይነት ስራሕ ከምዝሰርሐትን ቅድሚ ክልተ ዓመት ንዝቅፀሉ ሰለስተ ዓመታት ክትሰርሖም ሒዛቶም ዝነበሩ ፍልይ ዝበለ ስትራተጂካዊ ትልሚ እንታይ ሓንፂፃ ከምዝነበረትን ኣብቲ ዋዕላ ዝርዝር ከምዘቕረበ ይገልፁ።

ኣብቲ ዋዕላ ካብ መንጎ ዝነበሩ ክፍልታት ወይ Rooms ነቲ ሓደ ናይ Clubhouse Room ብምትሕብባር ከም ፓነሊስት ኮይኑ ዝሰርሕ ድማ ኣብ Michigan State University ፕሮፌሰር ኣንትሮፖሎጂ ዝኾነ ዶክተር ኤሪክ ሞንጋመሪ መብዛህቲኡ ስርሑ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪካኣብ ሃይማኖት ሰላምን ግጭትን፣ጂኦፖለቲክስ፣ዝውውር ደቂ ሰባት /Human Trafficking/ ፣ምምካት ግብረ ሽበራ ዘተኮረ ከምዝኾነ ብምግላፅ ንፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪካ ንነዊሕ ግዜ ክከታተል ከምዝፀንሐን ከምዝከታትልን ይግለፅ።ኣብቶም ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ድማ ይፍፀም ኣሎ ዝበሎ ምፅናት ዘርኢ ጠጠው ንምባልን ድምፂ ኣብ ምስማዕን ተፀሚዱ ከምዝርከብ ይገልፅ።

ኣብዚ ኣጋጣሚ ብዙሓት ክኢላታት፣ተጋሩ ናይ ታሪኽ ምሁራን፣ገጠምቲ፣ሙዚቀኛታት፣ብዛዕባ ታሪኽ፣ባህሊ ንኣብነት ኣሸንዳ፣ሰላምን ምክእኣልን ኣብ መንጎ ሃይማኖታታ፣ብዛዕባ ናይ ኣፍሪካ ጂኦፖለቲካ፣ተዘራሪብና ኢና።ናይ ብሓቂ ብዛዕባ ዓሚቕ ባህላዊ ፀግታት ክልል ትግራይን ተጋሩን ዘቲና ኢና።

ናብቲ ዋዕላ ፍልስጤማዊያን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ስለ መሬቶም ይቃለሱ ንዘለው ህንዳዊያን ሓረስቶት ዝሕለቑ፣ተጠቀምቲ መሬቶምን ማዮምንክኾኑ ዝቃለሱ ደቂ ኣባት ኢንዲያን ኣሜሪካን፣Black Lives Matters ካልኦትን ግንዛበ ክፈጥሩ ናብቲ ኣጋጣሚ ከምዝዓደሞም ይገልፅ።

ዝርዝር ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

‘’ትግራይ ምፅባይ ይኣኽላ’’
please wait

No media source currently available

0:00 0:12:40 0:00


XS
SM
MD
LG