ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ተኣሲሮም ዝርከቡ ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢን ርክባት ፖለቲካዊ ውድባትን ሳልሳይ ወያነ ኣቶ ሃይሉ ከበደ ብርክት ዝበሉ ክስታት ከምዝቐረቦምን ተፈሊጡ። ትንሳኤ ናይ ዝተብሃለ ትካል ገባሪ ሰናይ መስራቲትን ሓላፊትን መንእሰይ ገነት ብርሃኑ ( ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ሄቨን ብዝብል እትፍለጥ) ድማ ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ማዕልታት ማእሰርቲ ብዋሕስ ከምዝተፈትሐት ካብ ናይ ክልቲኦም ጠበቓታት ሓደ ዝኾኑ ኣቶ ክሩቤል ገብረእግዛብሄር ገሊፆም።
ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢን ርክባት ፖለቲካዊ ውድባትን ሳልሳይ ወያነ ዝኾኑ ኣቶ ሃይሉ ከበደ ዝሓለፈ ዓርቢ 7 ነሓሰ 2013 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብፖሊስ ተኣሲሮም ቀዳም ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ብዋሕስ ክወፁ ቤት ፍርዲ እንተወሰነ እውን ከይተፈትሑ ፀኒሖም መርማሪ ፖሊስ ትማሊ ሶኑይ ይግባይ ስለዝበለ ንድሕሪ ፅባሕ ሓሙስ ቆፀሮ ከምዝተውሃቦም ብዓል ሙያን ጠበቓን ሕጊ ኣቶ ክሩቤል ገብረ እግዚኣብሄር ገሊፆም።ኣብ ልዕሊ ኣቶ ሃይሉ ካብ መንጎ ዝቐረቡ ብርክት ዝበሉ ክስታት ኣብ ናይ ትግራይ ምርጫ ተሳቲፍካ ኣብ ቶጎጎ ዝተፈፀመ ዳብዳብ ነፈርቲ ብምዝርጋሕ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ምርሕሓቕ ፈጢርካ ኣብ ግጭት ትግራይ ተሳቲፍካ ከይትኸውን ንጥርጥረካ ዝብሉን ካልኦትን ከምዝርከቡዎ ኣቶ ክሩቤል ሓቢሩ።
ካብቶም ጠበቓታት ሓደ ምዃኖም ዝገለፁ ኣቶ ክሩቤል መስራቲትን ሓላፊትን ትንሳኤ ናይ ዝተብሃለ ገባሪ ሰናት ትካል ገነት ብርሃኑ ( ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ሄቨን ብዝብል እትፍለጥ)ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት እቲ ትካል ካብ ዩኒቨርስቲ ደብረማርቆስ ዝመፁን ሓገዝ ክቕበሉ ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ዝተረኸቡን ተምሃሮ ሓዊሱ ሓሙሽተ ሰባት 6 ነሓሰ ተኣሲሮም ትማሊ ሶኑይ ብዋሕስ ተፈቲሖም ኢሎም።ኣብ ልዕሊኦም ካብ ዝቐረቦም ክስታት ን’’ጁንታ ትሕግዙ ኢኹም’’ ዝብል ይርከቦም ብመሰረት ብዓል ሙያ ሕግን ጠበቓን ኣቶ ክሩቤል ገብረእግዚኣብሄር።
እቲ ማሕበር ሕጋዊ ኣፍልጦን ፍቓድን ዘለዎም ምዃኑ ኣቶ ክሩቤል ወሲኾም ገሊፆም።ትንሳኤ ገባሪ ሰናይ ብኲናት ትግራይ ንዝተፀገሙ ወገናት ዝተፈላለዩ ሓገዛት ከቕርብ ዝፀንሐ ትካል እዩ።
ቁፅሩ ንምግላፅ እንተተፀገሙ እውን ንብዙሓት ተኸሰስቲትን ናይ ክሲ ጉጅለታትን ዝከራኸሩ ብዙሓት ናይ ጠበቓታት ጉጅለታት ከምዘለው ዝሓበሩ ብዓል ሙያ ሕግን ጠበቓን ኣቶ ክሩቤል ገብረእግዚኣብሄር ንሶም ዝሳተፉሎም ኣብ ውሽጦም ካብ ሓደ ክሳብ ሓሙሽተን ልዕሊኡን ተኸሰስቲ ዝሓቖፉ ልዕሊ ሰላሳ ናይ ክሲ ጉጅለታት ጠብቓ ኮይኖም ይከራኸሩሎም ከምዘለው ሓቢሮም።