ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኲናት ኮንጎ ን6.9 ሚልዮን ዜጋታት ኣማዛቢሉ” - ሕ/ሃገራት


ፋይል
ፋይል

ብሰንኪ ኣብ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ ተወሊዑ ዘሎ ግርጭት ኣስታት 6.9 ሚልዮን ዜጋታት ካብ መንበሪታቶም ምምዝባሎም ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። እዚ ኣሃዝ፡ ዛጊት ኣብ ዓለም ካብ ዝተራእየ ዝዓበየ ምምዝባል ተባሂሉ ተመዝጊቡ ከምዘሎ ኣገልግሎት ዜና ኣሴይትድ ፕረስ ይሕብር።

ጠንቂ እቲ ምምዝባል ንኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ዝቐጸለ ግጭት ክኸውን እንከሎ፡ ኣስታት 80% ናይቶም ተመዛበልቲ ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ከም ዘለዉ እቲ ትማሊ ናብ ህዝቢ ዝተዘርግሐ መጽናዕቲ የመልክት።

እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው፡ ንጾታዊ ዓመጽ፡ ምክልባትን ካልእ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣቓሊዑ ኣሎ።

ጎማ ኣብ ዝተባህለ፡ ብማዕድናት ሃብታም ዝዀነ ዞባ ኮንጎ፡ ሓያሎ ዕጡቓት ጉጅለታት ከም ዝነጥፉሉ ይፍለጥ። ገለ ካብቶም ጉጅለታት ከም በዓል M-23 ብጎረባብቲ ሃገራት ከም ርዋንዳ ከም ዝሕገዙ ይገልጽ።

ነቲ ዘሎ ቅልዋላው፡ ኣብኡ ተዋፊሮም ዝርከቡ ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት መሊሶም ስለ ዘጋደዱዎ፡ ጠቕሊሎም ንኽወጽኡ በበይኑ ተቓውሞታት ክስማዕ ምጽናሑ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG