ዋሽንግተን —
ኣብ ባኩ ኣዘርባጃን ክቃናዕ ዝቐነየ ዋዕላ ክሊማ ሕቡራት ሃገራት፡ ድሕሪ ነዊሕ ክርክር፡ ሎሚ ኣማስያኡ ኣብ መጠን ምወላ ኣብ ሓደ መዛዘሚ በጺሑ ኣሎ። ሃብታማት ሃገራት ንድኻታት ሃገራት ኣማራጺ ጸዓት ንምርካብ፡ ክሳብ 2035 ዝኽፈል 250 ቢልዮን ዶላር ክኸፍላ ተሰማሚዐን ኣለዋ።
እዚ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ናይ 100 ቢልዮን ዝዓቢ ደኣ ይዅን እምበር፡ ካብቲ ፈለማ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዘቕረብኦ እማመ ዳርጋ ሓደ ርብዒ ጥራይ ምዃኑ’ዩ።
ዋዕላ ክሊማ ባኩ፡ ካብ ፈለማኡ ነተን ብሰንኪ ምዝባዕ ኩነታት ኣየር ኣዝየን ዝተሃስያ ድኻታት ሃገራት ሓገዝ ንምትእኽኻብ’ዩ ነይሩ። እተን ብኩል ኣየር ናብ ጠፍር ዝልእካ ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ብዝኸፍእሎ ገንዘብ ነተን ዝተሓተ ዓቕሚ ዘለውንን ብሰንሰለታዊ ወቕትታት ደርቂ ዝተሃስያን ሃገራት መሕወዪ ገንዘብ ክኸፍላ ትጽቢት ነይሩ። እዘን ብድርቂ ዝተሃስያ ሃገራት ካብዚ ዋዕላ ክሳብ 1.3 ትሪልዮን ዶላር ዝኸውን ገንዘብ ከተኣኻኽባ ትጽቢት ገይረን ነይረን።
ኣብ መወዳእታ እቲ መብጽዓ ዝተኣትወ መጠን 250 ቢልዮን ጥራይ’ዩ ኰይኑ።
ቅጥዒ