ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደምበታት ፕረዚደንታዊ ምርጫን ሳልሳይ ሕጹይ ሮበርት ኤፍ ከነዲን


ደምበታት ፕረዚደንታዊ ምርጫን ሳልሳይ ሕጹይ ሮበርት ኤፍ ከነዲን
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:55 0:00

ደምበታት ፕረዚደንታዊ ምርጫን ሳልሳይ ሕጹይ ሮበርት ኤፍ ከነዲን

ደምበታት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዶናልድ ትራምፕን ጆ ባይደንን ካብ ዝሰማምዕሉ ሓደ ጉዳይ ሳልሳይ ፕረዚደንታዊ ሕጹይ ሮበርት ኤፍ ከነዲ`ዩ። ከነዲ ኣብቲ ውድድር ምጽንባሩ ክልቲኦም ባይደንን ትራምፕን ከም ፖለቲካዊ ጸይቂ ይርእይዎ።

ካብ መንጎ ርእይቶ ዝሃቡ ኣድመጽቲ፡ ፍርቆም ካብ ባይደንን ትራምፕን ወጻኢ ዝኾነ ሕጹይ እንተንረክብ ድምጽና ምሃብናዮ ይብሉ። ብውልቁ ንውድድር ቀሪቡ ዘሎ ሮበርት ኤፍ ከነዲ፡ ካብ ባይደንን ትራምፕን ምገላገልኩኹም በሃላይ`ዩ።

“ ፕረዚደንት ትራምፕ ወይ ፕረዚደንት ባይደን ኣብዚ ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ ምርጫ እንተተዓዊቶም፡ እዛ ሃገር ናበይ ገጻ ከም ተምርሕ ክትግምቱ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ዘሎ ቁጥዐ፡ ጸላዕላዕ፡ ቅልውላው፡ ከምኡ ኣግላሊ ኣካይዳ እንሓመቐ ክኸይድ`ዩ። ነዚ ንምዕጋት ዘሎ ሓደ ኣማራጺ ናተይ ሕጹይነት ምኽታል`ዩ።"

ብሰንኪ ክሕከም ዘይክእል ምስ ሓንጎል ዝተሓሓዘ ናይ ምዝራብ ጸገም ማለት ኣዝዩ ትሑትን ሓርፋፍን ድምጺ ዘለዎ በዓል ሞያ ሕጊ ሮበርት ከነዲ፡ ንባይደን ንምስዓር ኣብቲ ናይ ደሞክራቲክ ፓርቲ ናይ ምጽራይ ምርጫ ዘይምስታፉ`ውን ኣይገደሶን። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጆርጅ ታውን ፕሮፈሰር ፖለቲካል ሳይንስ ዝኾነ ሃንስ ኖወል፡ ሮበርት ኤፍ ከነዲ ዝቕጽል ፕረዚደንት ናይ ምዃን ተስፋ ከም ዘይብሉ `ዩ ይግለጽ፡ “ሮበርት ኤፍ ከነዲ ጁኒየር ዝቕጽል ፕረዚደንት ኣይክኸውንን`ዩ።”

እንተኾነ ንባይደንን ትራምፕ ኣሻቒልዎም ዘሎ ጉዳይ፡ ከነዲ ኣብተን ወሰንቲ ዝብሃላ ሽዱሽተ ዝኾና ግዝኣታት ዝወዳደር ምዃኑ`ዩ። ብኣሸሓት ዝቑጸር ድምጺ ከይወስደሎም ድማ ፈሪሖም ኣለዉ።

“ኣሸሓት ድምጺ ተማቒሉ ንውጽኢት ምርጫ ክቕይሮ ይኽእል`ዩ። እታ ግዝኣት ዓባይ እንተኾይና `ሞ እቲ ምርጫ ከኣ ዝተቐራረበ እንተኾይኑ ንውጽኢት`ቲ ውድድር ክቕይሮ ይኽእል`ዩ። “

ሮበርት ኤፍ ከነዲ “ ብ ኩለን ግዝኣታት ንድምጺ ክቐርብ`የ። ክሳብ ዝመጽእ ወርሒ ሓምለ ኣብ ኩለን ግዝኣታት ክወዳደር`የ" ይብል።

እቲ ሕጹይ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብውልቂ ዝወዳደሩ ካልእ ብልጫ`ውን ኣለዎ። ናይ ሽም ተፈላጥነት። ኣቡኡ ባቢ ከነዲ ኣብ 1968 ክሳብ ዝቕንጸል ቀንዲ ተወዳዳሪ ደሞክራቲክ ፓርቲ እዩ ኔሩ። ሓውብኡ ጆን ኤፍ ከነዲ ድማ ኣብ 1963 ክሳብ ዝቕንጸል ፕረዚደንት ኣመሪካ ኔሩ።

“ቤተሰብ ከነዲ ክወዳደር ኣይደለይዎን። ከእምንዎ `ውን ብዙሕ ጽዒሮም `ዮም። ሓንቲ ካብኦም ኣብ ጎኑ ባይደን ኮይና ዝተዛረበት ሓፍቱ ከሪ ከነዲ`ያ።"

“ስምዒትና ብግልጺ ክነቐምጥ ንደሊ ኢና። ንኣመሪካ ንቕድሚት ከሰጉማ ዝኽእል፡ ንጆ ባይደንን ካመላ ሃሪስን ንተወሳኺ ኣርባዕተ ዓመት ምምራጽ`ዩ።"

ሮበርት ኤፍ ከነዲ ጁንየር ዘለዎ ኣሰሓሓቢ እምነታት ማለት ብዛዕባ ክታበት ሕማማት፡ ብዛዕባ ኣበጋግሳ ኮቪድ 19፡ ብዛዕባ ቅንጸላታት ኣቡኡን ሓውቡኡን ዘለዎ እምነታት፡ ንገለ ደገፍቱ ዝሰሓበሉ ኮይኑ`ሎ ይብል ምሁር ፖለቲካ ሃንስ ኖወል። ከነዲ ሕጂ ካብ ኣብ ደሞክራት ኣብ ሪፓብሊካን `ዩ ዝያዳ ስሙይ ኮይኑ ዘሎ፡ ምኽንያቱ ድማ ደሞክራት ወይ ደሞክራት ነበር ኮይኑ ብዛዕባ ደሞክራት ሕማቕ ነገራት ይዛረበሎም ስለ ዘሎ ይብል ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG