ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣፈላላያት ዘተኮሩ ትምህርታዊ ናውቲ ዝተነብረ እገዳ ንምልዓል ምምሕዳር ቤት ትምህርቲ ዘሕለፎ ውሳነ ተቓውሞ ኣልዒሉ


ኣብ ኒው ዮርክ ፔንስሊቫኒያ ኣብ ገለ ናውቲ ትምህርቲ ዝተነብረ እገዳ አቲ ጉዳይ ሃገራዊ ኣቓልቦ ድሕሪ ምርካቡ ተላዒሉ።ኣብ ዝሓለፈ ፅዲያ ኣብ ፔንስሊቫኒያ ምምሕዳር ኣብያተ ትምህርቲ ሴንትራል ዮርክ ‘’ምድስካል’’ ኢሎም ዝፀውዕዎ ኣብ ፀለምቲ ሰባት ዘተኮሩ ገለ ናውትታት ትምህርቲ ኣንቢሮም።እዚ ክኸውን ዝኽኣለ Panter Anti-Racist Union ዝተብሃለ ሓዱሽ ፀረ ዘርኣውነት ውዳበ ድሕሪ ምምስራቱ እዩ።

ተምሃሪት ሴንትራል ዮርክ ኤድሃ ጉብታ ፈላመይቲ ፕሬዝዳንት ናይዚ ጉጅለ እያ።’’ጉህየ ኣለኹ! ኣብዚ ጉዳይ ሓደ ነገር ክገብር ኣለኒ!’’ በለት።

ናውቲ ትምህርቲ ኣብ ኣገልግሎት ከይውዕል ክእገድ ወይ ክድስከል ድምፂ ዝሃቡ ኣባላት ቦርድ ቤት ትምህርቲ ስኽፍትኦም ዝነበረ ገለ ናውቲ ትምህርቲ ንፖሊስ ዝነቕፉ ወይ ብዛዕባ ናይ ፀዓዱ ሓለፋ ስለዝዝትዩ እዩ።ገሊኦም ድማ ኣብ መንጎ ተምሃሮ ናይ ዓሌት ምክፍፋል ክፈጥሩ ይኽእሉ እዮም ብዝብል እዩ።

ኣብ መስከረም ብቦርድ ቤት ትምህርቲ ዮርክ ዝፀደቐ እገዳ ዝተነብረሎም ትሕዝቶታት ኣብ ታሪኽ ኣፍሪካዊያን ኣሜሪካዊያን ዝጠመቱ ዓሰርተታት መፃሕፍቲ እዮም።

ካብኦም 270 ፅሑፋት፣መፃሕፍቲ፣ተረኽቲ \ዶክመንታር\ ፊልምታት ዋላ እውን ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ ኣፈላላያት ዓሌት ዝገልፅ ብዓል ሕብሪ መፅሓፍ ዝሓቖፈ እዩ።እቶም ናይ ትምህርቲ ናውቲ ኣብ ተሸላሚት ኖቤል ዝኾነት ማላላ ዩሳፍዚ ዝተፅሓፉ ሰለስተ መፃሕፍቲ እውን ይሓውስ።

Panter Anti-Racist Union ኣብ ትሕቲ ናይ ፖሊስ ቀይዲ እናሃለወ ዝሞተ ኣፍሪካዊ ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ተቓውሞ ይካይድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ ተመስሪቱ።

‘’ኩሉ ግዜ ንፍዕቲ ተማህሪት እየ’’ በለት ጉብታ ።’’ኣብ ክፍሊ ብልፅቲ ተምሃሪት እየ።ንፍዕቲ ጓል እየ።ድሕሪ እዚ ኹሉ ዓመታት እዚ ቦርድ እዚ ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ቁጥዐን ፅልእን ምስርኣኹ ድሕሪ ደጊም ኣይፈርሕን ኣሓፍርን እውን።ሕዚ ቁጥዐ እዩ ዘለኒ እያ’’ ኢላ።

እቲ ቦርድ ቤት ትምህርቲ ብካሜራ ሪኢቶ ንምሃብ ፍቓደኛ ኣይኮነን።ንቪኦኤ ብኢሜይል ኣብ ዝለኣኾ ፀሑፍ ግን እቲ እገዳ ክልዓል ድምፂ ክህቡ ከለው እቲ ድስከላ እገዳ ከይኮነስ እቶም ቦርድ ነቲ ጉዳይ ንቶም ዝተዘርዘሩ መፃሕፍትን ናይ ትምህርቲ ናውትን ክምርምሮ ግዜ ንምሃብ እዩ፣ካብ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ቤተ መፃሕቲ እውን ኣይተልዓሉን ኢሉ።

እቲ ጉጅለ ስርሑ ገና ከምዘይተወድአ ይዛረሑ።ዮርክ ፔንስሊቫኒያ ዝተፈላልየ ዓሌታት ዝሓቖፈ ማሕበረሰብ እዩ።ኣብዚ ኣብ ከተማ ፐኒስሊቫኒያ ዝነብሩ ሰባት ግን ከምዚ ዝበለ ናይ መፃሕፍቲ ድስከላ ንውሑድ ቁፅሪ ዘለዎም ማሕበረሰባት ፈታኒ ይገብሮ ኣሎ ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG