ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶማላዊያን ንመጥቓዕቲ ሞቃዲሾ ብምኹናን ሰልፊ አካይዶም


ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶማላዊያን ንመጥቓዕቲ ሞቃዲሾ ብምቕዋም ኣብ ዝተአኻኸብሉ፡ ፕረዝደንት እታ ሃገር መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ኣንጻር ኣልሸባብ ዝኻየድ ኩናት ክቐላጠፍ እዩ ክብሉ ንተአኸብቲ ቃል ኣትዮም።

ብኣሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶማላዊያን ናብ ጎደናታት ዋና ከተማ ሞቃዲሾን ካልኦት ከተማታት ብምውጻእ ነቲ ንኣስታት 300 ሰባት ዝቐተለን ንካልኦት ልዕሊ 400 ዘቑሰለ መጥቓዕቲ ሞቃዲሾ ኮኒኖም።

ንሰልፈኛታት መደረ ዘስምዑ ፕረዝደንት እታ ሃገር ንግዳያት እቲ መጥቓዕቲ ጸሎት ክገብሩ ንሰልፈኛታት ተማሕጺኖም።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶማላዊያን ንመጥቓዕቲ ሞቃዲሾ ብምኹናን ሰልፊ አካይዶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:19 0:00

ንሶም ወሲኾም “ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንጥሩፍ ጉጅለ ግብረ ሽብራ ኣልሸባብ ንምቅላስን ወለዶም ንዝሰአኑ ግዳያት መናበይ ንምድላው ኣስታት 14 ሚልዮን ናይ ኣሜሪካ ዶላር መዲብና አለና። ብመጀመርያ ድማ ንግዳያት እዚ መጥቓዕቲ መናበይ ብምድላው ክንጅምር ኢና” ኢሎም።

ኣብ ታሪኽ ሶማልያ ዝኸፍአ መጥቓዕቲ ምካኑ ንዝግለጽ ዘሎ ናይ ቀዳም መጥቓዕቲ አል ሸባብ ክሳብ ሕጂ ሓላፍነት ኣይወሰደን መንግስቲ ግን ነቲ ጉጅለ ይወቅስ።

ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ኣልሸባብ ንመንግስቲ እታ ሃገር ንምግልባጥ ዝተፈላለየ መጥቓዕቲ ኣብታ ሃገር ከካይድ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ ጽኑዕ ሕጊ እምነት እስልምና ምትእትታው’ውን ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG