ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ትራምፕ ንከተማ እየሩሳሌም ኣፍልጦ ምሃቦም ስዒቡ ኣብ መንጎ እስራኤላዊያን ፍልስጤማዊያን ግጭት ምልዓሉ ተሓቢሩ


ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ እዮሩሳሌም ዋና ከተማ እስራኤል ገይሮም ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃቦም ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ጋዛ ፍልስጤማዊያን ናይ ተቓውሞ ሰልፈኛታት ምስ ወታደራት እስራኤልን ሎሚ ሓሙስ ተራፂሞም።

እቶም ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘካየዱ ሰልፈኛታት ንሓይልታት እስራኤል ብዳርባ እምኒ ኣጥቒዖም ኣብ ራማላህ ድማ ጎማታት ኣንዲዶም።በቲ ግጭት ብዓሰርተታት ዝቑሰሩ ሰባት ምቑሳሎም ተገሊጹ።

ኣብታ እየሱስ ክርስቶስ ዝተወለደላ ከተማ ቤተልሄም ወታደራት ነቶም ሰልፈኛታት ንምብታን ማይን ዘንብዕ ጋዝን ተጠቒሞም፣ኣብ ጋዛ እቶም ሰልፈኛታት ናይ ፕረዚደንት ትራምፕን ቀዳማይ ሚንስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ስእልታትን ባንዴራታት ክልቲአን ሃገራት ኣቃፂሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG