ዋሽንግተን —
ኣብ ፓኪስታን ኣብ ናይ ፖሊስ መኪና ብዝተጻወደ ቦምብ አባላት ፖሊስ ዝርኸብዎም ሽዱሽተ ሰባት ምሟቶም ፖሊስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ብመሰረት ካብ ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ ብዝተረኽበ ሓበሬታ ካልኦት 20 ሰባት በቲ መጥቓዕቲ ምቁሳሎም ሓቢሮም ኣለው።
እቲ መጥቓዕቲ አባላት ፖሊስ ናብ ስራሕ ኣብ ዝወፍርሉ ጊዜ ዘጋጠመ ምኳኑ’ውን ተገሊጹ’ሎ።
ሓላፍነት እቲ መጥቓዕቲ ዝወሰደ አካል እንተዘየለ’ኳ ዓሌት ሽዒት ዝኾኑ ኣባላት ጸጥታ ሓሓሊፉ ካብ ዕጡቓት መጥቓዕቲ ከጋጥሞም ምጽንሑ ይፍለጥ።