ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚንስተራት ሃገራት ኣውሮጳን ኣፍሪቃን ንኩነታት ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ንምምሕያሽ ተሰማሚዖም


ሚንስተራት ሃገራት ኣውሮጳን ኣፍሪቃን ንኩነታት ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ንምምሕያሽ ተሰማሚዖም። ገለ ካብቲ ትማሊ ሶኑይ ዝቐረበ ውጥን ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ብናይ ትምህርቲ ዕድል ብሕጋዊ መንገዲ ኣውሮጳ ዝአትውሉን ነቲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኣብ ምድረ በዳ ሰሃራን ማእኸላይ ባሕሪ ዝረአ መጠን ሞት ምጉዳል ዝብል ይርኸቦ።

መብዛሕትኦም ዜጋታት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝኽተልዎ መንገዲ ምድረ በዳ ሰሃራ ብምቁራጽ ብሊብያ ኣቢልካ ማእከላይ ባሕሪ ብምስጋር ኣውሮጳ ምብጻሕ ክከውን ከሎ፡ ቱርኪ ዶባታ ድሕሪ ምዕጻዋ እቲ ካልኣይ መንገዲ ድማ ብግሪክ ኣቢሎም ኣውሮጳ ዝበጽሑ እዮም።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ኣስታት 115,000 ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ በጺሖም እዮም።2,750 ዝኾኑ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ምቁራጽ ምሟቶም ዝተገልጸ ኮይኑ ብመሰረት ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ቁጽሪ ኣብ ምድረ በዳ ሰሃራ ዝሞቱ ስደተኛታት ዕጽፊ ናይቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ግዳያት ምኳኑ ይግለጽ።

ሃገራት ኣውሮጳን ኣፍሪቃን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቁጽሪ ማእከላይ ባሕሪ ዘቋርጹ ስደተኛታት ምጉዳሉ እንተገለጹ ካልኦት ብኣሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ግን ኣብ ዝከፍአ ኩነታት ኣብ መዳጎኒ ማእከላይ ሊብያ ከምዝርከቡ ይገልጹ።

ሚንስተራት ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገራት “ማእከላይ ማእከላይ ባሕሪ” ኣብዚ ጉዳይ ንምዝታይ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝተራኸቡ ኮይኖም ቀንዲ ዕላማ እቲ ልዝብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንምቅላስ እንተኾነ ነቲ ጉዕዞ ሰባት ብዝተሓተ ጉድኣት ንምፍጻም ልዑል ጻዕሪ ኽካየድ ዝብል እውን አካል እቲ ዘተ ምንባሩ ተፈሊጡ’ሎ።

ሚንስተራት ኣልጀርያ፡ኦስትርያ፡ቻድ፡ፈረንሳ፡ጀርመን፡ኢጣልያ፡ሊብያ፡ማልታ፡ኒጀር፡ስሎቨንያ፡ስዊዘርላንድ፡ቱኒዝያን ማሊን ገለ ካብቶም በቲ ውጥን ዝተሰማምዑ ሃገራት እዮም።

ሚንስተራት ሃገራት ኣውሮጳን ኣፍሪቃን ምስ ሰበ ስልጣን ሊብያ ብምትሕብባር ንሰብኣዊ መሰለን ሰብኣዊ ኩነታት እቶም ስደተኛታት ንምምሕያሽ ተሰማሚዖም ኣለው፡ ንሶም ብተወሳኺ ኣብ ተአፋፊ ኩነታት ዝርኸቡ ቆልዑን ግዳያት ስቅያትን ውሕስነቶም ንምሕላው ቀዳምነት ከምዝስረሓሉ ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG