ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ፣ሕፁያት 7 ፖለቲካዊ ፓርትታት ንክልላዊን ፈደራላዊን ኣብያተ-ምኽሪ ክወዳደሩ ተመዝጊቦም!


ETHIOPIA ELECTION
ETHIOPIA ELECTION

ዓረና ትግራይ ብወገኑ፡ ኩሎም ዝደለዮም`ኳ እንተዘይኮነ ሕጹያት ተወዳደርቲ ኣመዝጊቡ ከም ዘሎ ሓቢሩ

ኣብ ክልል ትግራይ ህውሓት ሓዊሱ ሸውዓተ ፓለቲካዊ ፓርትታት ብርክት ዝበሉ ሕፁያት ምምዝጋቦም ናይቲ ክልል ቤት ፅሕፈት ቦርድ መረፃ ኣፍሊጡ።ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣቶ ወልደጊዮርጊስ በላይ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል ካብ ህውሓት ቀፂሉ ብበዝሒ ህፁያት ዘመዝገበ ተቋዋሚ ፓርቲ ዓረና-መድረኽ ምዃኑ ሓቢሮም።ፓርቲ ዓረና ትግራይ መድረኽ 29 ሕፁያት ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ 70 ሕፁያት ድማ ንክልላዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ከምዘመዝገበ ኣፍሊጡ’ሎ።

ምስ ኣቶ ወልደጊዮርጊስ በላይን ምስ ኣቦ መንበር ዓረና ኣቶ ብርሃኑ በርሀን ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ የድምፁ፡

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:22 0:00

XS
SM
MD
LG