ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ወፃኢ ንዝርከቡ ጋዜጠኛታት ይስልዪ ኣሎ ይብል ሓደ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት


In a screenshot from a Hacking Team promotional video, the company touts its ability to surveil potential targets.
In a screenshot from a Hacking Team promotional video, the company touts its ability to surveil potential targets.

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኢንተርኔት ምጥቓዕቲ የካይድ ኣሎ ክብል ዓለምለኸ ተሓላቒ ጉጅለ ሰብኣዊ መሰላት/Human Rights Watch / ይኸስስ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ባዕሉን ናይ ካልኦትን ሕግታት ኣኽቢሩ ከምዝሰርሕ ሓደ ናይ ኢትዮጵያ ዲፕሎማት መሊሶም ኣለው።

ካብዚ ካብ ኣሜሪካ ዝመሓላለፍ ናይ ኢትዮጵያ ሳተላይት ቴሌቪዥን /ኢሳት/ ካብ ዝተላኸሉ ናይ ዲጂታል መልኽቲ ንገሊኡ ዝፈተሸ Citizen Lab ዝተብሃለ ትካል 30 ለካቲት 2007 ዓ/ም ኣብ ዝወፅኦ ሪፖርት መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ናይ ኢሳት ኮምፒተራትን ናይ ሰራሕተኛታት ናይ ኢሜይል ኣደራሻን ንምእታው ሓደሽቲ ፈተነታት ገይሩ’ሎ ክብል ኣፍሊጡ’ሎ።

ነዚ ናይ Citizen Lab ሪፖርት መሰረት ዝገበረ Human Rights Watch/ ዝተብሃለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዚ ዝበለ ተግባር ክፍፅም ንፈለማ ግዜ ኣይኮነን ክብል ኣብ ዝሓለፈ ቅነ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣውፂኡ’ሎ።

ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን መራኸቢ ብዙሃንን ዝፍፅምዎም ናይ ኢንተርኔት መጥቓዕትታት ብህፁፅ ጠጠው ከብሎን ነቲ ቴክኖሎጂ ዝሸጥሉ ናይ ወፃኢ ትካላት እውን ቴክኖሎጂኦም ንምጥሓስ መሰል ዜጋታት ይውዕል ስለዘሎ ክምርምርዎን ፀዊዑ’ሎ።

ኣብ ህይውማን ራይትስ ዎች ንጉዳያት ኢንተርኔት ዝከታተላ ስንቲያ ዎንግ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቪኦኤ ኣብዝሃብኦ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ወፃኢ ቴክኖሎጂታት ብምጥቃም ካብ ኢትዮጵያዊ ወፃኢ ንዝርከቡ ናይ ውልቂ መራኸቢ ብዙሃንን ናይ ተቓወምቲ መራሕቲ ኮምፒተራት ናይ ዲጂታል መጥቓዕቲ ብምፍፃም ኣብ ውሽጢ እቲ ኮምፒተር ዝርከብ ሓበሬታ ንምውሳድ ይፍትን ኣሎ ኤልን።እቶም ርክባት ናይ ቪዲዮም ካሜራን ማይክሮፎንን ከምኡ እውን ብስካይፕ ኣቢሉ ዝካየዱ ርክባት ዝሓውስ ምዃኑን ከምዚኦም ዝበሉ ክትትላት ንትካለን ከምዘተሓሳስብን ወሲኸን ሓቢረን ሲንቲያ።

እቲ ቴክኖሎጂ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሸይጡ ዝተብሃለ ዋና ቤት ፅሕፈቱ ጣሊያን ዝኾነ ናይ ኢንተርኔት ትካል The Hacking Team ሓለፊ ክፍሊ ዕዳጋ ኤሪክ ሬብ ኣብ ምሉእ ዓለም ንዝርከቡ ኣፈፀምቲ ሕግን መንግስታዊ ትካላትን ገበናትን ካልኦት ዘይሕጋዊ ተግባራትን ንምክትታል ዘኽእሉዎም ናይ ኢንተርኔት ፕሮግራማትን ሶፍት ዌራትን ከምዝሸጡ ይገልፁ።

እዞም ትካላት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣድላዪ ዘይኮነ ስለያ ከካይዱ ምሕጋዝዶ ኣይኮነን ንዝብል ሕቶ ‘’ስለያ ዝብል ቃል ምጥቃም ኣይደልን።ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ሕጋዊ ዝኾነ ናይ ክትትል ስራሕ ንኽፍፅሙ ዘኽእሎም እዩ’’ ክብሉ ኤሪክ ሬብ መሊሶም።

እዚ ቴክኖሎጂ ንኢትዮጵያ ሸይጦም እንተኾይኖም ዝተሓተቱ ኤሪካ ሬብ ናይ ዓማዊልና መንነትን ኣበይ ከምዝርከቡን ብደረጃ ፖሊሲ ኣይንገልፅ።ምኽንያቱ ናትና ፕሮግራም ወይም ሶፍት ዌር ዝጥቀምሉ ኣብ ዙሪያ ዓለም ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ገበነኛታትን ሽብርተኛታትን ንምክትታል ስለዝኾነ ዕላዊ ኣይንገብረሎምን ኢና ኢሎም።

ይኹን እምበር ዝሸጥናሎም ሶፍት ዌር ብዘይኣግባብ ይጥቀምሉ ኣለው ዝብል ሓበሬታ እንተበፂሑና ምርመራ ክነካይድ ኢና ኣብኡ ተደሪኽና ድማ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ኢሎም ኤሪክ ሬድ።

ንምዃኑ ኢትዮጵያ ወናኒት እዞም ዝብሃሉ ዘለው ቴኮሎጂታት ዲያ?ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያያ ሓላፊ ፓብሊክ ዲፕሎማስኒን ኮሚኒኬሽንን ኣቶ ተስፋየ ወልዴ እቲ ኽሲ ከምዝሰምዕዎ ብምግላፅ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዘለው ሕግታት ከምኡ እውን ናይ ካልኦት ሃገራት ሕግታት ኣኽቢሩ እዩ ዝሰርሕ ኢሎም።ምስ ከምዚኦም ዝበሉ ጠቐነታት ርክብ የብልናን መንግስቲ ከምዚ ንምግባር ዝሰርሐሉ ዋላ ሓደ ምኽንያት እውን የለን ኢሎም።

XS
SM
MD
LG