ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሽብር ዝተኸሰሱ መራሕቲ ተቓወምቲ ኣሸባሪ ኢህወዴግ እምበር ንሕና ኣይኮናን ክብሉ ንቤት ፍርዲ ተዛሪቦም


ኣብርሃ ደስታ ዝርከቦም ብገበናት ሽብር ዝተኸሰሱ መራሕቲ ተቓወምቲ ፓርትታት ብዝቐረቦም ኽስታት ናይ እምነት-ክሕደት ቃሎም ክህቡ ተኣዚዞም ኣሸበርቲ ንሕና ከይኮናስ ህውሓት/ኢህወዴግ እዩ ኢሎም።

ናይ ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ናይ ሎማዕንቲ ሓሙስ መጋባእይኡ ዝጀመረ ኩሎም ተኸሰስቲ ናይ እምነት ክሕደት ቃሎም ክህቡ ዘለዎም ነቲ ተግባር ፈፂመለኹ ወይ ድማ ኣይፈፀምኩን ብዝብሉ ቃላት ጥራሕ ክኸውን መጠንቀቕታ ብምሃብ ነይሩ ነቲ መጋባእያ ዝጀመረ።

ቀዳማይ ተኸሳሲ ዘልኣለም ወርቃገኘሁ ንዝቐረበሉ ሕቶ ‘’እቲ ኽሲ ብዓቃቢ ሕግን ብፖሊስን ተዋዲዱ ዝቐረበ ናይ ሓሶት ኽሲ ብምዃኑ መልሲ የብለይን’’ ኢሉ።

ካልኣይ ተኸሳሲ ኣባል ኣመራርሓ ፓርቲ ሓድነት ንዴሞክራስን ፍትሕን ዝነበረ ሃብታሙ ኣያሌው ‘’ኣብ ዝቐረበ ኽሲ ሓሳብ ይኹን ድልየት ስለዘይብለይ ዝኸሰሰኒ ኣካል ይፍለጥ እዩ፤ንዓይ ብምእሳር ጠጠው ዝበልኩሉ ፓርቲ ስለዘፍረሶ ንዓቃቢ ሕጊ የመስግን’’ ኢሉ ቃሉ ይህብ ኣብዝነበረሉ እዋን ቤት ፍርዲ ሃብታሙ ዘረብኡ ንከይቕፅል ጠጠው ኣቢሉዎ።

ሳልሳይ ተኸሳሲ ዳንኤል ሽበሺ እውን ኣባል ኣመራርሓ ፓርቲ ሓድነት ንዴሞክራስን ፍትሕን ነይሩ።ንሱ እውን ‘’ብዛዕባ ሽብር ክዝረብ ንፈለማ ዝሰምዕኹዎ ካብ ኦሳማ ቢን ላዲን እንትኸውን ንኻልኣይ ግዜ ዝሰማዕኹ ድማ ካብ ኣቶ መለስ ዜናዊ እዩ።ኣነ ኾንኩ ጠጠው ዝበልኩሉ ዕላማ ነዚ ዝገልፅ ኣይኮነን።ኣሸባሪ ኢህወዴግ እምበር ኣነ ኣይኮንኩን።እዚ ኹሉ ዝኸውን ዘሎ ንፓርተይ ንምፍራስ እዩ’’ ምስ በለ እቲ ቤት ፍርዲ ነዚ እውን ደው ኣቢሉዎ።

ራብዓይ ተኸሳሲ ኣባል ኣመራርሓ ፓርቲ ዓረና ትግራይ ኣብርሃ ደስታ ቃሉ ቅድሚ ምሃቡ እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ መምርሒ ክኽተል ኣተሓሳሲቡዎ።ይኹን እምበር ‘’ንሱ ናተይ ሓሳብ ኣይኮነን፤ንስኹም ዝደለኹምዎ ፀሓፉ።ናይ ምዝራብ መሰለይ ኣይትንፈጉኒ’’ ክብል ሕቶ ኣቕሪቡ። ኣብርሃ ዘርብኡ ብምቕፃል ‘’ኣሸባር ህውሓት/ኢህወዴግ እዩ፤ንንፁሃን ኣብ ምሽባር ዝርከብ ንሱ ባዕሉ እዩ።ኸሳሲን ደሕንነትን ተጎጂሎም…’’ክብል እቲ ቤት ፍርዲ ጠጠው ኣቢሉ ነቲ ተግባር ኣይፈፀምኩን ብዝብል ቃሉ ከምዝተመዝገበ ገሊፅሉ።

ሓምሻይ ተኸሳሲ ኣባል ኣመራርሓ ሰማያዊ ፓርቲ የሺዋስ ኣሰፋ ‘’ንናይ መወዳእታ ግዜ ይዛረብ ስለዘለኹ ኣይተቋርፁኒ’’ ክብል ፈለማ ነቲ ቤት ፍርዲ ምሕፅንታ ኣቕሪቡ።ቤት ፍርዲ ንክዛረብ ምስ ፈቐደሉ ‘’ኣብ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓንቀፅ 78 ንኡስ ቁፅሪ ኣርባዕተ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ንምጥያሽ ዝኽልክል ዋላ እንተኾነ እውን ወታደራዊ ቤት ፍርዲ ብዝመስል ኣሰራርሓ መበል 19 ናይ ገበን ቤት ፍርዲ እናንከላበተና ይርከብ’’ክብል እቲ ቤት ፍርዲ መሊሱ ጠጠው ኣቢሉዎ።

ብፓርቲ ኣባልነቶም ዘይፍለጡ ካልኦት ኣባላት እውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ቅሬትኦም ዝገልፁ ቃላት ብምስማዕ ናይ እምነት ክሕደት ኣወሃህባ ስርዓት ብምስሕሓብ ተዛዚሙሎ።

ዓቃቢ ሕጊ እቶም ተኸሰስቲ ብምሉእ ክሒዶም ዝተኸራኸሩ ብምዃኖም መሰኻኽረይ ከስምዕ ቆፀሮ ይውሃበኒ ክብል ብምሕታቱ ንዕለት 1314 17 ግንቦት 2007 / መሰኻኽሩ ኣቕሪቡ ንኸስምዕ እቲ ቤት ፍርዲ ቆፀሮ ሂቡሎ።

ዓቃቢ ሕጊ ንኣርባዕተ ኣባላት ኣመራርሓ ተቓወምቲ ፓርትታት ሓዊሱ ብድምር ን10 ተኸሰስቲ ብገበናት ሽብር ኸሲሱዎም ንኣዋርሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG