ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ሰማያዊ ፓርቲ' 24 ሕፁያተይ ብቦርድ ምርጫ ተነፂጎምኒ ክብል ከሎ ቦርድ ምርጫ ግና ሕቶ ሰማያዊ ፓርቲ ዘቕፅዕ'ዩ ይብል!


ሰማያዊ ፓርቲ ኣብ ደቡብ ኦማ ካብ መንጎ ዘቕረቦም ሕፁያት እቶም 24 ብትእዛዝ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ከምዝተሰረዝዎ ኣፍሊጡ።ቦርድ ምርጫ ግን እቶም ሕፁያት ኣባላት ካሊእ ፓርቲ እዮም ኢሉሎ።

ሰማያዊ ፓርቲ ኣብ ኩሎም ክፋታ እታ ሃገር ሕፁያቱ ንምምዝጋብ ኣብ ዝገብሮ ፈተነ ብገዛኢ ፓርቲን ኣፈፀምቲ ምርጫን ዕንቅፋት ከምዘጋጠሞ ኣብዝዘርግሖ ፅሑፍ ሕብር።

ኣብ ደቡብ ኦሞ ዘድሊ ኩሉ ኣማሊኦም ዝተመዝገቡ 24 ሕፁያት ኣባላት እቲ ፓርቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ተነፂጎም ይብል።ምኽትል ኣቦ መንበር ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ ስለሺ ፈይሳ ‘’24 ናይ ፓርትና ሕፁያት ዝተነፀጉ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኣዋሳ ናብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ቦርድ ምርጫ ክልል ብዝፅሓፎ ደብዳቤ እዩ።እዚ ዝተገብረ ድማ ብዝገርም ኩነታት እቲ ናይ ምርጫ ምዝገባ ድሕሪ ምብቅዑ እዩ’’ኢሎም።

ዋና ፀሓፊን ሓላፊ ቤት ፅሕፈትን ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኣቶ ነጋ ዱፌሳ ግን ናይ ካሊእ ፓርቲ ኣባላት እናሃለው ብኣባልነት ንዘይተመዝገብሉ ፓርቲ ብሕፁይነት ንምምዝጋብ ምፍታን ብሕጊ ዘቕፅዕ እዩ ኢሎም።

ሰማያዊ ፓርቲ ኣብ ደቡብ ኦሞ ተሰሪዞምኒ ብዛዕባ ዝበሎም ዘቕረቦ ጥርዓን ከምዘየለ ብምሕባር ተሰሪዞም ዝተብሃለ 24 ሰባት ግን ናይ ኦሞ ህዝብታት ዴሞክራሲያዊ ሕብረት ኣባላትን ኣባላት ኣመራርሓን እምበር ኣባላት ሰማያዊ ፓርቲ ኣይኮኑን ኢሎም።ናይ ኦሞ ህዝብታት ዴሞክራሲያዊ ሕብረት ናይ መወዳደሪ ምልክት ምውሳዱ እውን ወሲኾም ሓቢሮም ኣቶ ነጋ።

ምኽትል ኣቦ መንበር ሰማያዊ ፓርቲ ግን ኣባላት እቲ ሕብረት ብናይ ሰማያዊ ፓርቲ ምልክት ንኽወዳደሩ ምስቲ ፓርቲ ከምዝተሰማምዑን እዚ እውን ብሕጊ ዝፍቀድን እዩ ኢሎም።

ኣቦ መንበር ናይ ኦሞ ህዝብታት ዴሞክራሲያዊ ሕብረት ኣቶ ግርማ በቀለ ፓርቶም ኣብዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብዘካየዶ ጉባኤ ምስ ሃገርለኸ ፓርቲ ሓቢሩ ንምስራሕ ከምዝወሰነን ንሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኣፍሊጡ ተቐባልነት ረኺቡን እዩ ኢሎም።

ፓርቶም ናይ ምርጫ ምልክት ዋላ እንተወሰደ እውን ብናይ ሰማያዊ ፓርቲ ምልክት ከምዝወዳደርን ነዚ ዝኽእልክል ሕጊ እውን ከምየለን ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG