ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌትሪክ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ኣትላንታ ብዙሕ በረራታት ምዕንቓፉ ተገሊጹ


ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌትሪክ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ኣትላንታ ብዙሕ በረራታት ምዕንቓፉ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:46 0:00

ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌትሪክ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ኣትላንታ ብዙሕ በረራታት ምዕንቓፉ ተገሊጹ

ኣብታ ኣብ ዓለም ዝበዝሓ በረራ ተተአናግድ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ኣትላንታ ዘጋጠመ ምቁራጽ ኤሌትሪክ ብዙሕ በረራታት ምዕንቓፉ ተገሊጹ።

እቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ዘቛረጸ ሓይሊ ኤሌትሪክ ኣብ ከባቢ ፍርቂ ለይቲ ኣገልግሎት ከምዝጅምር ሰበ ስልጣን እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ብናይ ትዊተር መልእኽቲ ገሊጾም፡ ነቶም ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዘምርሓ ዝነበራ ነፈርቲ ድማ ኣብ ዘለውዎ ክጸንሑ ኣዚዞም።

ኣብ በረራ ዝነበራ ነፈርቲ ናብ ካልእ መዓርፎ ነፈርቲ ክዓርፋ ተገዲደን።

ብመሰረት ሓበሬታ ፍላይትዌር ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ትማሊ ሰንበት ምሸት ብሰንኪ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣትላንታ ዘጋጠመ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌትሪክ 776 ናብን ካብን መዓርፎ ነፈርቲ ኣትላንታ ዝነበረ በረራ ክስረዝ ከሎ ካልኦት 525 ድማ ተደናጉየን እየን። ብተወሳኺ ሶኑይ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ተመዲቡ ዝነበረ 134 በረራታት’ውን ምስራዙ ሓቢሩ።

ጠንቂ እቲ ምቁራጽ ኤሌትሪክ ኣብ ምርመራ ከምዘሎ ሓይሊ ኤሌትሪክ ክፍለ ግዝኣት ጆርጅያ ሓቢሩ’ሎ።

ካብን ናብን መዓርፎ ነፈርቲ ኣትላንታ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 2,500 በረራታት ዝኻየድ ኽከውን ከሎ ኣስታት 250,000 ተጉዓዝቲ ድማ በቲ መዓርፎ ነፈርቲ ይሓልፉ።

XS
SM
MD
LG