መቐለ —
ብሓገዝ ወታሃደራውያን ኣዘዘቲ ኣብ በበይኑ ከተማታት ትግራይ ብመሪሕነት ህወሓት ንዝተሸሙ ኣባላት ምቕማጥ ንስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ዝጥሕስ’ዩ ዝበለ ግዜያዊ ምምሕዳር መንግስቲ ፈደራል ስቕ ኢሉ ኣብ ክንዲ ዝዕዘብ ነቲ ጉዳይ ክፈትሖ ሎሚ ኣብ ወጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ከም በዓል ከተማ ዓዲጉድም ዝኣመሰላ ስፍራታት ብዝተራእየ ጎንጺ፡ ንወታሃደራዊ መምርሒ ዝተቓወሙ ብጥይት ዝሓወሰ ጎነጽ ኣብ ዝተመለሰሎም እዋን’ዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ውድብ ህወሓት ሎሚ ኣማስያኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ገለ ኣባላት ኣመራርሓ ግዜያዊ ምምሕዳር ተልእኾኦም ረሲዖም ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ኣሕሊፎም ይህቡ ኣለዉ፡” ክብል ነቲ ጻውዒት ነጺጉዎ ኣሎ። መግለጺ ህወሓት፡ “እቲ ዝካየድ ዘሎ ንሕገ-መንግስቲ ክልል ትግራይ ዘኽብርን ንስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ዘይጥሕስን’ዩ፡” ይብል።
ምሉእ ትሕዝቶን ንምስማዕ መላግቦ ሰዓቡ፤
ቅጥዒ