ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርሑቕ የማናይ ፕረዚደንታዊ ተነሓናሒ ሮማኒያ ንእገዳ ከም ዝብድሆ ገሊፁ


ኣብ ሮማንያ ዝተኻየደ ተቓውሞ
ኣብ ሮማንያ ዝተኻየደ ተቓውሞ

ፕረዚደንታዊ ተወዳዳሪ ርሑቕ የማናይ ሰልፊ ሮማኒያ ካሊን ጆርጀስኩ ኣብ መጋቢት ኣብ ዝካየድ ምርጫ ንከይወዳደር ንዝተሓላለፈ እገዳ ክብድሆ ከምዝኾነ ሎሚ ሰኑይ ገሊፁ። ንሱ ናብቲ ውድድር ከምዝኣትው ብዓርቢ ዘፍለጠ ክኸውን ከሎ ምትእትታው ሩስያ ንፈላማይ ተመዲቡ ዝነበረ ምርጫ ክስረዝ ጌሩ።

ምርቋሕ ጆርጀስኩ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ወጥሪ ፈጢሩ እዩ። ንከየወዳደር ብዝተኣወጀ ውሳነ ዝተቖጥዑ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ደገፍቱ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዋና ከተማ ዕግርግር ብምልዓል ዶንጎላ ደርቢዮምን ጉሓፍ ኣቓፂሎምን። ቀንዲ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝኾነ ኢላን ማስክ ነቲ ውሳነ "ዕብዳን’’ ክብል ነቒፉዎ።

ቤት ፍርዲ ሩማኒያ 8 ታሕሳስ 2024 ንዝተኻየደ ናይ መፃረዪ ውድድር ቅድሚ ምስራዙ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ዙር ምርጫ ጆርጀስኮ ተዓዊቱ ነይሩ።

እዚ ድማ ንኣባላት ሕብረት ኣውሮጳን ነታ ኣባል ኔቶ ዝኾነት ሮማንያን ናብ ነዊሕ ፖለቲካዊ ቕልውላው ኣእትዩዎም እዩ።

እቲ ፈላማይ ዙር ምርጫ 4 ግንቦት 2025 ክካየድ መደብ ተታሒዙ ኣሎ። ልዕሊ 50 ሚእታዊት ምእታዊ ድምፂ ዝረኸብ ሕፁይ እንተዘይሃልዩ ድማ ካልኣይ ዙር ምርጫ 18 ግንቦት ክካየድ እዩ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG