ዋሽንግተን —
ካብ ፓሪስ ናብ ዓበይቲ ከተማታት ኤውሮጳ ከም በዓል ሎንዶንን ብራስለን ኣብ ዘራኽብ መደበር ባቡር፡ ዘይተተኰሰ ቦምባ ካልኣይ ኲናት ዓለም ድሕሪ ምርካቡ፡ ሎሚ ዓርቢ ነቲ ኣዝዩ ጽዑቕ መስመር ኣሰናኺሉዎ ኣሎ።
እቲ ቦምባ ሰራሕተኛታት እቲ መንገዲ ባቡር ንጽገና እናዀዓቱ እንከለዉ’ዮም ነቲ ኣስታት ፍርቂ ቶን ወይ ድማ ኣስታት 450 ኪሎግራም ዝምዘን ቦምባ ረኺቦሞ። ድሕሪኡ ንዝምልከቶም ኣካላት ብምሕባር እቲ ቦታ ህዝቢ ከይሓልፎ ስለ ዝተኸልከለ’ዩ እቲ ምትእጉጓል መጓዓዝያ ኣስዒቡ ዘሎ።
ኢሮስታር ዝተባህለ ዝዓበየ መስመር ባቡር ብሰንኪ እቲ ርኽበት መደባቱ ከም ዝሰረዘ ምስ ሓበረ፡ ንተጓዓዝቲ ኣብ ሕንፍሽፍሽ ሸሚሙ ኣሎ።
ጋርዱ ኖርድ ዝብሃል መዕረፊ ባቡር ኣብ መዓልቲ ክሳብ 700-ሽሕ ተጓዓዝቲ ዝጥቀምሉን ኣብ ኤውሮጳ ድማ ካብቶም ኣዝዮም ጽዑቓት መስመራት ባቡር ምዃኖምን ይፍለጥ።
ውዳቕ ቦምባታት ቀዳማይን ካልኣይን ኲናት ዓለም ኣብ ፈረንሳይ ክርከቡ ሓድሽ ተርእዮ ኣይኰነን። ከምዚ ዝመስል ዓቢ ቦምባ ኣብ ማእከል ህዝቢ ብጽዑቕ ዝንቀሳቐሶ ኣከባቢ ከጋጥም ግን ንቡር ኣይኰነን--ከም ጸብጻብ ኣሶሸትድ ፕረስ።
ቅጥዒ