ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባይቶ ጸጥታ ኣብ ተኽእሎታት ማንታ መንግስቲ ሱዳን ዘለዎ ሻቕሎት ይገልጽ


ሓደስቲ ኣባላት ዘሰልጥን ዘሎ ሰራዊት ምክልኻል ሱዳን ኣብ ቀረባ እዋን ላዕለዋይ ኢድ ይሓዝ ኣሎ
ሓደስቲ ኣባላት ዘሰልጥን ዘሎ ሰራዊት ምክልኻል ሱዳን ኣብ ቀረባ እዋን ላዕለዋይ ኢድ ይሓዝ ኣሎ

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሓይልታት ህጹጽ ውሃብ-ድጋፍ ዝምርሑ ጥምረት፡ ማንታ መንግስቲ ክምስርት ምስማምዑ፡ ንሱዳን መቓቒሉ ነቲ ዞባ ኣብ ዝኸፍአ ሕንፍሽፍሽ ከይመርሖ ዘለዎ ሻቕሎት ገሊጹ።

ባይቶ ጸጥታ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ቀረባ እዋናት ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ዝተኻየደ ርክባትን ምፍራም መሰጋገሪ ሕገ-መንግስቲ ሱዳንን ነታ ድሮ ተበታቲና ዘላ ሱዳን መሊሱ ከግድደላ ከም ዝኽእል የጠንቅቕ። መግለጺ ባይቶ ጸጥታ ወሲኹ፡ ሰብኣዊ ቅልውላው ሱዳን ካብቲ ዝጸንሖ ክብእስ ከም ዝኽእል’ውን ኣስፊሩ ኣሎ።

ዓለማዊ ኮሚተ ድሕነት፡ “ዛጊት ተመዝጊቡ ካብ ዘሎ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው” ኢሉ ንዝጸውዖ ግጭት ንምፍታሕ፡ እቲ እንኮ ኣማራጺ “ፖለቲካዊ ልዝብን ምቍራጽ ተዅሲን’ዩ፡” ክብል ባይቶ ጸጥታ ኣስዒቡ ኣሎ።

ወርሒ ሚያዝያ 2023 ዝጀመረ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ቀቲሉ፡ ንልዕሊ 12 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ድማ ኣማዛቢሉ’ዩ።

ኣብ ቀረባ ሰሙናት ዝለዓል ኢድ ዝሕዝ ዘሎ ብኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ንሓያሎ ስኢኖም ዝነበሩ ቦታታት ክቆጻጸሩ ጀሚሮም’ዮም። ኣንጻሩ ሓይሊ ድማ ቀንዲ ማእከሉ ደቡብን ዳርፎርን'ዩ ገይሩ ዘሎ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG