ሰሉስ ኣማስያኡ ንኽልቲኡ ባይቶ ኣመሪካ ኣጣሚሩ ፈላሚ መደረ ዘስምዐ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ብዓብላሊ ድምጺ ዝተዓወተ ምምሕዳሩ ሕልሚ ኣመሪካውያን ክምለሶ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።
ኣብቲ ብኣቆጻጽራ ሰዓት ዋሺንግተን ዲሲ 9፡20 ምሸት ጀሚሩ ንኣስታት ሓደ ሰዓት ፈረቓን ዝቐጸለ መደረ ፕረዚደንት “ኣመሪካ ደጊም ተመሊሳ ኣላ፡” ክብል’ዩ ቃሉ ከፊቱ። ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ኣብ እዋን ቃለ-ማሕላ ዘስምዖ መደረ ብምዝኽኻር፡ ምምሕዳሩ ንኣመሪካ ናብቲ ዝበለጸ እዋን ዝመለሰላ እዋን ምዃኑ ገሊጹ። ስልጣን ካብ ዝርከብ ንደሓር ኣብ ሓጺር እዋን ሓያሎ ዓወታት ምምስጋቡ’ውን ጠቒሱ።
እንተዀነ ፕረዚደንት መደረ ኣብ ዝጀመረሉ ተቓውሞ ድምጽታት ብምብርታዑ፡ ንሓጺር እዋን ዝተቛረጸ መደረ ፕረዚደንት፡ እቶም ናይ ተቓውሞ ድምጺ ዘስምዑ ትዕግስቲ ክግብረኡ ብኣፈ-ጉባኤ መተሓሳሰቢ ቀሪብይ። ተቓውሞ ዘስምዐ ተወካሊ ቴክሳስ ኣል ግሪን ፕረዚደንት ትራምፕ “ንመድሕን ሕክምና መዲከይድ ደው ከተብሎ መሰል የብልካን፡” ኢሉ ዓው ኢሉ ብምጭራሑ ካብቲ ኣዳራኽ ክወጽእ ተገይሩ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ካብቲ ጸቒጡ ዝተዛረበሉ ኣብ ፈለማ እዋን ምምሕዳሩ ዝፈረሞ ፕረዚደንታዊ ትእዛዛት’ዩ ነይሩ። ካብ መንጎኡ ድማ ንዶባት ኣመልኪቱ ብዝፈረሞ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ዶባት ኣመሪካ ሎሚ ውሑስ ከም ዘሎ ጠቒሱ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ቀጺሉ ምምሕዳሩ ካብቶም ንኣመሪካ ክሃስዩዋ ጸኒሖም ዝበሎም ከም ምስሓብ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ውዕላት ክላይመት ንኣመሪካ ምውጻኡ ዝለዓለ ዓወት ምዃኑ ጠቒሱ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ መደረኡ “ብልሹው” ኢሉ ዝጸውዖ ምቍራጽ ናይ ደገ ሓገዛት፣ ምንጻር መንነት ጾታ፣ ምምላስ ናብ ቦታ ስራሕ፡ ምድሕና ገንዘብ መንግስቲ ወዘተ. ዘርዚሩ።
“ብኢላን ማስክ ዝምራሕ ቤት ጽሕፈት ምቕርጣው መንግስቲ ድሮ ዓቢ ስራሕ ይገብር ኣሎ፡” ዝበለ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ንብኽነት ክኸይድ ጸኒሑ ዝበሎ መጠን ገንዘብ ድሕሪ ምዝርዛር፡ ብሳላ እቲ ቤት ጽሕፈት ግን ኣማኢት ቢልዮናት መንግስቲ ከድሕን ከም ዝኸኣለ ገሊጹ። እቲ ዝደሓነ ገንዘብ ዕዳ መንግስቲ ንምኽፋል ከም ዝውዕል ድማ ገሊጹ። እዚ ቤት ጽሕፈት ኣብ ኣብያተ-ጽሕፈት መንግስቲ መዘራረቢ ኣርእስቲ ኰይኑ ጸኒሑ’ዩ። ኣብ እዋን መደረ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝርዝር ናይቲ ዝደሓን “ብኽነት” ኢሉ ዝገለጾ ክዝርዝር እንከሎ’ውን ካብ ኣባላት ባይቶ ዓቢ ናይ ተቓውሞ ድምጺ ይስማዕ ነይሩ።
ንዘቤታዊ መፍረ መካይን ከተባብዕ ምዃኑ ዝገለጸ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ኣመሪካ ንዝፈርያ መካይን ዝዓደገ ዜጋ ናይ ግብሪ ሕድገት ክግብር ምዃኑ ቃል ኣትዩ። መፍረ መካይን ናብ ኣመሪካ ይምለስ ከም ዘሎ ግን ጠቒሱ። ትራምፕ ዘቤታዊ መፍረ ከተባብዕ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንኻልኦት ሃገራት ዝግበር ወሰኽ ግብሪ ክዓቢን ክቕጽልን ምዃና ሓቢሩ። ካብ 2 ሚያዝያ ጀሚሩ ንዅለን ሃገራት ማዕረ’ቲ ንፍርያት ኣመሪካ ዘኽፈልኦ ግብሪ ክስልዕ ምዃኑ’ውን ሓቢሩ።
ንጉዳይ ኲናት ዩክሬን ኣመልኪቱ ፕረዚደንት ትራምፕ፤ “ነቲ ደማዊ ዝዀነ ኲናት ዩክሬን ኣብ መፈጸምታ ንምብጻሕ ከይደቀስኩ እሓድር ኣለኹ። ሚልዮናት ዩክሬናውያንን ሩስያውያንን ሞይቶምን ቆሲሎምን። እቲ ኲናት ክዓርፍ ተስፋ ኣይጸንሖን። ኣመሪካ ቢልዮናት ዶላር ንሓገዝ ዩክሬን ክትሕግዝ ጸኒሓ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ከኣ እታ ዝበዝሐ ጋዝን ነዳዲን ካብ ሩስያ ዝዓደገት ኤውሮጳ፡ ኣብዚ ኲናት ዝወሓደ ብጽሒት’ያ ኣዋጺኣ። ምምሕዳር ባይደን ድማ ናብዚ ኲናት ዝውዕል ብዙሕ ገንዘብ ኣጽዲቑ ጸኒሑ፡” ኢሉ።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ንዘይሕጋውያን ስደተኛታት ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ኣብ ኣመሪካ መጺኦም ስግረ-ዶባዊ ገበናት ዝፍጽሙ ዜጋታት ካልእ ሃገራት’ውን ኣብ መዝገብ ኣሽበርቲ ብምእታው ክሃድኖም ምጅማሩ ገሊጹ። እዚ ስጉምቲ’ዚ ድማ ንኣመሪካውያን ውሕስነት ክህቦም ምዃን ፕረዚደንት ትራምፕ ጠቒሱ።
ንመትረብ ፓናማ ንምስራሕ ህይወት ኣሽሓት ኣመሪካውያን ጠፊኡ ዝበለ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ሎሚ ግን እቲ መትረብ ካብ ቅጽጻር ቻይና ድሒኑ ናብ ኣመሪካ ክምለስ ምዃኑ ቃል ኣትዩ። ንምውናን ምምላስ መትረብ ፓናማ ፕረዚደንት ትራምፕ ደጋጊሙ ክጠቕሶ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ካብ መንግስቲ ፓናማ ግን ከቢድ ተቓውሞ’ዩ ክገጥሞ ጸኒሑ። ፕረዚደንት ትራምፕ’ውን ንደሴት ግሪንላንድ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ልኡላውነት እታ ደሴት ከም ዝሕሉ ብምጥቃስ፡ ንዋንነታ ዝምልከት ግን ምርጫ ህዝቢ ምዃኑ ሓቢሩ። ፕረዚደንት ትራምፕ ኣቐዲሙ ነታ ደሴት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣመሪካ ከእትዋ ምዃኑ’ዩ ተዛሪቡ ነይሩ። እዚ ካብ ሓያሎ ሃገራት ልዑል ተቓውሞ ምኽታሉ’ውም ይዝከር።
ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ መዛዘሚ መደረኡ፡ ኣመሪካ ንህዝባውን ዓለምን ዝተጓናጸፈቶ ዓበይቲ ዓወታትን ምህዞታትን ብምዝርዝራ፡ “ሕጂ ድማ ናብቲ ዝቐደመ ዕብየትን ሕልሚ ኣመሪካን እንምለሰሉ እዋን’ዩ፡” ክብል ገሊጹ።
ንሰላፊ ደሞክርሲያውያን ወኪላ ሓጺር ግብረ-መልሲ ዘስምዐት ኣባል ሰነት ኤሊሳ ስሎትኪን’ያ ነይራ። ንሳ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ብሕልፊ ድማ ንኢላን ማስክ ብስም ምቕርጣው መንግስቲ ሂቡዎ ብዘሎ ሓይሊን ዕድልታትን “ንህይወትን ውልቃዊ ሓበሬታን ሚልዮናት ኣመሪካውያን ኣብ ሓደጋ የእትዩ ኣሎ፡” ክትብል መጒታ።
ሰነተር ስሎትኪን ንፕረዚደንት ትራምፕ ዘቕረቦ ንድሕነት ዶባት ኣመሪካ ኣመልኪታ’ውን ነቒፋ። ከም ኣዘራርባ እታ ኣባል ሰነት፡ ኣመሪካ ንጉዳይ ዶባት ኣመልኪቱ ንጹር ፖሊሲ ስለ ዘይብላ ቅልውላው ዶባት መልክዕ ቀዪሩ ክቕጽል ምዃኑ ኣጠንቂቓ። ኣስዒባ ምምሕዳር ትራምፕ ምስቶም ኣንጻር ረብሓ ኣመሪካ ዝሰርሑ መንግስታት ከም በዓል ሩስያ ምሕዝነት ምግባሩ “ንታሪኽን መሰረታዊ መትከላትን ኣመሪካ ዝጻረር’ዩ፡” ኢላ።
ቅጥዒ