ሎሚ ቀዳም ኣብ ዝተቓንዐ፡ 131.5 ኪሎ-ሜተር ካብ ንያንዛ ናብ ኪጋሉ ዝተሰርዐ ሻዱሻይ መድረኽ ውድድር ዙር ሩዋንዳ ብዓወት ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናሆም ዘርኣይ ክፍጸም እንከሎ፡ ንቐዳማይ መድረኽ ናይዚ ውድድር ዝተዓወተሉ ሄኖክ ምሉእብርሃን ድማ ንበልጅማዊ ሚላን ዶኔ ስዒቡ ሳልሳይ ኣትዩ። ናሆም ነቶም ተኸቲሎሞ ዝኣተዉ ሚላንን ሄኖክን ብ7 ካልኢት’ዩ መሪሑ ኣትዩ።
ሎሚ ድሕሪ ዝተኻየደ ሻዱሻይ መድረኽ፡ ኣባል ጋንታ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሄኖክ ምሉእብርሃን፡ ኣብ ሓፈሻዊ ስርርዕ ብጫ ማልያ፡ ካብ መራሒ ፋቢያን ዶቤ ብ6 ካልኢት ድሒሩ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዑ ኣሎ። ሄኖክ ድሕሪ ናይ ሎሚ ቀዳም መድረኽ ደረጃኡ ብሰለስተ ኣመሓዪሹ’ዩ።
ብሩዋንዳዊ ሸሙ ንሰንጉየማ ኣብ ዝቕለስ ዘሎ ምድብ ኣንበሳ ዓቐብ ኣባላ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ገብረመድህን ገ/ሄር ሓሙሻይ ክስራዕ እንከሎ፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ናሆም ዘርኣይን ዓወት ኣማንን ድማ ሻውዓይን ሻሙናይን ኣለዉ።
ድሕሪ ሻዱሻይ መድረኽ፡ ባይክ አይድ ብጋንታ ክትመርሕ እንከላ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ድማ ኣብ ካልኣይ ምድብ ኣላ። ቶታል ኢነርጂስ ድማ ሳልሰይቲ ኰይና ትቕጽል።
ቅጥዒ