ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርክብ ፕረዚደንት ትራምፕን ዘለንስኪን ብዘይፍረ ተበቲኑ


ብዛዕባ ኣብ ዩክሬን ንዘሎ ፍሉይ ማዕድናት ውዕል ክፍርሙ ትጽቢት ዝተገብረሎም ፕረዚደንታ ዶናልድ ትራምፕን ቮልድይመር ዘለንስኪን፡ ብዘይ ፍረ እሞ ድማ ብዓውታን ቆይቂን ተበቲኑ። ርክብ እቶም ክልተ መራሕቲ ኣዝዩ ስለ ዝነሃረ፡ ዘለንስኪ ካብ ዋይት-ሃውስ ክወጽእ እንከሎ፡ እቲ ድሕሪ ርክብ ተመዲቡ ዝነበረ ሓበራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ’ውን ተሰሪዙ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኣብ ዝጸሓፎ ሓጺር መግለጺ፡ “ዘለንስኪ ኣመሪካ ንእትመርሖ ዝርርብ ሰላም ድሉው ኣይኰነን፡ ምኽንያት ናትና ህላወ ዝለዓለ ኢድ ከውህቦ ኢሉ’ዩ ዝሓስብ፡” ኢሉ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ቀጺሉ፡ ንኽብሪ ቤተ መንግስቲ ኣንኢሱ ብምባል፡ ድሉው ኣብ ዝዀነሉ ካልእ እዋን ንኽምለስ’ውን ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ንኣስታት 40 ደቓይቕ ዝኸደ ዝርርብ ኣዝዩ ርሱን ከም ዝነበረ ነቲ ዝርርብ ብቐረባ ዝተዓዘቡ ተወከልቲ ኣመሪካን ዩክሬንን ገሊጾም።

ምኽትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጃይዲ ቫንስ፡ ዑደት ዘለንስኪ “ናይ ፕሮፓጋንዳ መሳርሒ’ዩ፡” ብምባል ዘለንስኪ ኣብ ኣመሪካ መጺኡ እሞ ድማ ኣብ “ቅድሚ ሜድያ ከምኡ ዓይነት ተግባራት ከተርኢ ኣይግባእን፡” ክብል ብትሪ ተዛሪቡ።

ትራምፕ’ውን ንዘለንስኪ ብዓውታ፡ “ብሚልዮናት ህዝብኻ ትጣላዕ ኣለኻ። ንሳልሳይ ኲናት ዓለም ክመርሕ ብዝኽእል ኣገባብ ኢኻ እትጣላዕ ዘለኻ፡” ኢሉ። ዘለንስኪ ነቲ ተዳልዩሉ ዝነበረ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓዲጉ’ዩ ንዋይት-ሃውስ ገዲፉ ወጺኡ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG