ክሳብ ሚእቲ ሽሕ ዝግመቱ ነበርቲ ኣተንስ ግሪኽ፡ ብምኽንያት ዝኽሪ ካልኣይ ዓመት ሓደጋ ባቡር ብዝገበሩዎ ሰልፊ እታ ከተማ ደስኪላ ውዒላ። እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ልክዕ ከምዛ ሎሚ 28 ለካቲት ዘጋጠመ ምግጫው ሓደጋ ባቡር፡ መብዛሕትኦም ተመሃሮ ዝዀኑ 57 ሰባት ከም ዝቐተለ ይዝከር።
ተሰለፍቲ ንነዊሕ ኪሎሚተራት ብእግሮም ክጓዓዙ እንከለዉ፡ ተመሳሳሊ ሓደጋታት ከይድገምን ኣብቲ ጉዳይ ተሓታትነት ዘለዎም ድማ ዝግበኦም ፍርዲ ክረኽቡን ጸዊዖም።
ምስቲ ሓደጋ ተተሓሒዞም ክሳብ 40 ዝኣኽሉ ሰራሕተኛታት ተቐጺዖም እኳ እንተዀኑ፡ ህዝቢ ግን መንግስቲ እኹል ምጽራይ ከም ዘይተገበረን ሓያሎ ሓበሬታ ድማ ካብ ህዝቢ ከም ዝተሓብአን ይኣምኑ።
ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ከም ዘስፈሮ ንዝኽሪ እቲ ሓደጋ ኣብ በበይኑ ከተማታት ግሪኽን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን፡ ብድምሩ ኣብ ልዕሊ 200 ቦታታት ናይ ተቓውሞን ዝኽሪን ሰልፊ ተኻዪዱ።
ብስድራቤት ግዳያት ዝተመወለ መጽናዕቲ ከም ዘምልክቶ፡ ሓንቲ ካብተን ሓደጋ ዘጋጠማ ባቡራት ዘይሕጋዊ ከሚካል ጽዒና ዝነበረት ኰይና፡ ንመጠን ሞትን ምቅጻልን ዓቢ ተራ ከም ዝነበራ ይእመን። መንግስቲ ግን ብዛዕባኡ ዝዀነ ሓበሬታ ስለ ዘይሃበ’ዮም ስድራቤት እኹል መርመራ ክግበርን ምሉእ ሓበሬታ ክውጽእን ዝጽውዑ ዘለዉ።
ቅጥዒ