ነበሪት ህዩስተን ቴክሳስ ዝዀነት ልኡል ይከኣሎ ትካቦ፡ ምስ በዓልቤታን ኣርባዕተ ደቃን ኣብ 1995 ካብ ኤርትራ ብመንገዲ ሎተሪ ቪሳ’ያ ናብ ኣመሪካ መጺኣ። ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ምስ በዓልቤታ ካብ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ዝተመረቐት ወ/ሮ ልኡል፡ ፈለማ ንኣመሪካ ኣብ ዝኣተዉሉ እዋን፡ ንኣሽቱ ቆልዑ ሒዞም ምስ ናብራ ንምግጣም ከም ዝተጸገሙ ትገልጽ። ሎሚ ክልተ ደቃ ዶክተራት ዝዀኑ ልኡል፡ ናብቲ መሳልል ሕልሚ ኣመሪካ ከመይ ከም ዝቐጸለት ተመኵሮኣ ንድምጺ ኣመሪካ ኣካፊላ ኣላ።
ምሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ መላግቦ ሰዓቡ
ቅጥዒ