ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ኩነት ግን ዝተረጋግአ ለይቲ ሓዲሮም


ጳጳስ ፍራንሲስ ዝሕከሙሉ ዘለዉ ሆስፒታል ገመሊ
ጳጳስ ፍራንሲስ ዝሕከሙሉ ዘለዉ ሆስፒታል ገመሊ

ኣብ ሕክምና ጽዑቕ ክንክን ዝግበረሎም ዘሎ ወዲ 88 ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሎካዊት ቤተ ክርስትያን ፍራንሲስ፡ በቲ ተጠቒዖምሉ ዘለዉ ኒሞንያ ኣብ ከቢድ ኩነታት እኳ እንተለዉ፡ ናብ ሎሚ ሰሉስ ዘውግሕ ለይቲ ግን ጽቡቕ ዓሪፎም ከም ዝሓደሩ ቫቲካን ኣፍሊጣ።

እቶም ንዝሓለፈ 11 መዓልታት ኣብ ገመሊ ዝተባህለ ሆስፒታል ሮማ ዘለዉ ጳጳስ፡ መጠናዊ ምምሕያሽ ይርኣዮም እኳ እንተሎ፡ ኩነታቶም ግን ከቢድ ምህላዉ’ያ ቫቲካን እትገልጽ።

ብሰንኪ ተሓላለኸ ረኽሲ ሳንቡእ፡ ኩነታቶም ናይ ምግዳድ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ዝገልጹ ሓኪሞም፡ እንተዀነ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ኩነታት’ውን ትማሊ ሰኑይ ንኣሽቱ ስራሓት ሰባኻ ክፍጽሙ ምኽኣሎም ቤት ጽሕፈቶም ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተኸተልቲ እምነት ካቶሊክ ንርእሰ ጳጳሳት ፍራንሲስ ቅልጡፍ ሕውየት ጥዕናን ክረኽቡ ጸሎቶም የብጽሑ ኣለዉ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG