ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኤውሮጳ ኣብ ድርኩኺት ሰላም ኣላ፡” ም/ፕረ. ጀይ.ዲ. ቫንስ


ሓሙስ ኣብ ዝጀመረ ዋዕላ ዓቃባውያን መደረ ዘምስዐ ም/ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስ
ሓሙስ ኣብ ዝጀመረ ዋዕላ ዓቃባውያን መደረ ዘምስዐ ም/ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስ

ካብ ዋሺንግተን ዲሲ ውጽእ ኣብ ዝበለ፡ “ናሽናል ሃርበር” ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ክፍለ-ሃገር ሜሪላንድ ኣብ ዝጀመረአ ዋዕላ ምትእኽኻብ ዓቃባውያን ዝተረኽበ ምኽትል ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስ፡ "ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ መራሒ ሩስያ ዝጀመሮ ርክብ ንሰላም ዓለምና ከስፍን ዝኽእል’ዩ፡" ክብል ገሊጹ።

ቫንስ ኣብ መድረኡ፡ “ምስ ሩስያ ዝርርብ ከይገበርካ ንዂናት ከተውግደሉ እትኽእል መንገዲ የለን፡” ድሕሪ ምባል በዚ ድሮ ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለታት፡ “ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ኤውሮጳ ንፈለማ ግዜ ኣብ ድርኩኺት ሰላም ትርከብ ኣላ፡” ኢሉ።

ሎሚ ሓሙስ ዝጀመረ፡ ብናይ እንግሊዘኛ ኣሕጽሮ ቃላት CPAC ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ናይ ዓቃባውያን ዋዕላ ሓያሎ ላዕለዎት ሰብ-መዚ ምምሕዳር ትራምፕ ዝርከቡሉ’ዩ። ንነዊሕ እዋን ኣብ ባይቶ ኣመሪካ መሪሕነት ሰልፊ ዓቃባውያን ሒዙ ዝጸንሐ ሚች ማኮነል ንዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝህሉ ምርጫ ከም ዘይወርዳደር ኣብዚ ዋዕላ ገሊጹ ኣሎ። መራሒ ኣብዝሓ ሰነትን ካልእ ዓበይቲ መዝነትን ሒዙ ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገለ ተወካሊ ከንታኪ ዝዀነ ማኮነል ወዲ 83 ዓመት’ዩ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG