ተወከልቲ ዩክሬን ኣብ ዘይተረኽቡሉ፡ ብሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካን ሩስያን ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ሪያድ ስዑዲ ዓረብ ርክብ ኣካዪዱ ኣሎ። እዚ ታሪኻዊ ርክብ ነቲ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ዩክሬን ንምዕራፍ ዓቢ ተስፋ ተነቢሩዎ ኣሎ። ኣብዚ ጉዳይ ኤውሮጳውን ዩክሬንን ድሕሪት ከይተርፋ ስግኣተን ደጋጊመን የካፍላ ኣለዋ። ንምዃኑ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ሰብ ጉዳይ ኣብ ዘይተረኽቦ፡ ትግባረ እዚ ዘተ ሰላም ከመይ ክሳለፍጥ ከም ዝኽእል ንትንታኒ ተወኪስናዮ ኣሎና። ኣብዚ ርክብ ካብቶም ቀንዲ ሰብ ጉዳይ ዩክሬንን ኤውሮጳን የለዉን። ንምዃኑ እዚ ዘተ ንምዕዋት ዘለዎ ተኽእሎ ከመይ ይመስል? ዕርቂ ዩክሬንን ሩስያን ክፈጥሮ ዝኽእል ካልእ ዓቢ ምስሊ’ኸ እንታይ ይመስልን ንምብራህ ኣቶ ሓጐስ ገብረ ተወኪስናዮ ኣሎና።
ቅጥዒ