ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዎት ልኡኽ ኣመሪካን ሩስያን ርክብ የካይዱ


ላዕለዎት ልኡክ ኣመሪካን ሩስያን ኣብ ሪያድ ስዑዲ ዓረብ
ላዕለዎት ልኡክ ኣመሪካን ሩስያን ኣብ ሪያድ ስዑዲ ዓረብ

ድሕሪ ምጅማር ኲናት ዩክሬን ንፈለማኡ ዝዀነ፡ ብኽልተ ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳያት ዝምራሕ ርክብ ሩስያን ኣመሪካን ሎሚ ኣብ ሪያድ ስዒዲ ዓረብ ይቃናዕ ኣሎ። እዚ ብወገን ኣመሪካ ብሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ማርኮ ሩቢዮ፡ ብሩስያ ድማ ብሰርገይ ላቭሮቭ ዝምራሕ ርክብ፡ ድሕሪ ምምጻእ ፕረዚደንት ትራምፕን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝነበረ ኣጠማምታ ምቕያሩን’ዩ።

ኣብዚ ኣኼባ ዩክሬን ኣይተዓደመትን።

ሓያሎ ቦታታት ብሩስያ ዝውሰዶ ዘሎ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮልድየመር ዘለንስኪ፡ ሃገሩ ኣብ ዘይብሉ ንውጽኢት ርክብ ሪያድ ከም ዘይበሎ ኣቐዲሙ ኣፍሊጡ’ዩ። ኣብዚ ጉዳይ ካብ መሪሕነትን ከም ዝበዀረት እትገልጽ ደምበ ኤውሮጳዊ ሕብረት’ውን ትማሊ ሰኑይ ብፕረዚደንት ኢማኑወል ማክሮን ናይ ፈረንሳይ ዝተጸውዐ ርክብ ገይሩ ነይሩ። ኣኼባ ፓሪስ ንዩክሬን ከመይ ንሕግዛ ኣብ ዝብል ዛዕባ ዘተኰረ’ዩ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG