ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንብረት መንገዲ ኣየር ደልታ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ቶሮንቶ ተገልቢጣ፡ 19 ሰባት ኣቝሲላ


ሰኑይ ኣጋ-ምሸት ዝተገልበጠት ነፋሪት
ሰኑይ ኣጋ-ምሸት ዝተገልበጠት ነፋሪት

ንብረት መንገዲ ኣየር ደልታ ዝዀነት ነፋሪት መጓዓዝያ ህዝቢ፡ ብሰኑይ ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ቶሮንቶ ድሕሪ ምግልባጣ፡ ሓደ ቆልዓ ዝርከቦም 19 ከም ዝቖሰሉ ምንጭታት ሓቢሮም።

እታ ነፋሪት ዛጊት ዝርዝር ናይቲ ምኽንያት ብዘይ ተገልጸ ክትዓልብ እንከላ’ያ ተገልቢጣ፡ ጥንቅልዒት ክትቀውም ክኢላ። ካብ ሚኒሶታ ኣመሪካ ናብ ቶሮንቶ ካናዳ እትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት፡ ኣባላት በረራ ሓዊስካ 80 ሰባት ሒዛ ምንባራ ተገሊጹ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ምስልታት ከም ዘርእዮ፡ እታ ነፋሪት ኣብቲ በረድ ዝመልኦ ቦታ ድሕሪ ምግልባጣ፡ ተጓዓዝቲ ካብታ ትኪ እትተፍእ ዝነበረት ነፋሪት ክወጽኡ ይርኣዩ ነይሮም።

ጠንቂ እቲ ሓደጋ ዛጊት ኣይተሓበረን። እንተዀነ ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ዛሕሊን ውርጪን ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG