ወሃቢት ቃል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ቶኒ ብሩስ ከም ዝሓበረቶ፡ ብሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ምስ ሩስያዊ ልኡኽ ንምዝታይ ጽባሕ ሰሉስ ንሪያድ ስዑዲ ዓረብ ክጓዓዝ’ዩ። ኣብቲ ኣመሪካዊ ጉጅለ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ማይክ ዎልዝን ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ስቲቭ ዊትኮቭን ክሳተፉ ምዃኖም መግለጺ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ይሕብር።
ብወገን መንግስቲ ሩስያ ኣብቲ ርክብ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሰርገይ ላቫሮቭን ኣማኽሪ ፕረዚደንት ፑቲን ዝዀነ ዩሪ ኡሻኮቭን ክህሉዎ’ዮም።
ሩቢዮ ሰኑይ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከም ዝኣተወ ክግለጽ እንከሎ፡ ልኡኻት ሩስያ'ውን ብተመሳሳሊ ሰኑይ ይጓዓዙ ምህላዎም ተፈሊጡ ኣሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ካልእ ምዕባለ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮልድየመር ዘለንስኪ ንረቡዕ ናብ ስዑዲ ዓረብ ክገይሽ መደብ ሒዙ ከም ዘሎ ወሃብ-ቃሉ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ኣመልኪቱ። ዑደት ዘለንስኪ ኣቐዲሙ ዝተወጠነ ምዃኑ’ዩ እቲ ወሃብ-ቃል ዝሕብር።
ቅጥዒ