ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝቃናዕ ዘሎ መበል 38 ስሩዕ ዋዕላ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ጂቡታዊ ማሕሙድ ዓሊ የሱፍ ኣቦ-መንበር ኮሚሽን እቲ ሕብረት ገይሩ መሪጹ። ነዚ መዝነት ሒዙ ዝነበረ ጫዳዊ ሙሳ ፋኪ መሃማት እብረ ስልጣኑ ሎሚ ድሕሪ ምዝዛሙ’ዩ እቲ ሕብረት ሓድሽ ኣቦ-መንበር መሪጹ ዘሎ። ንውድድር ኣቦ-መንበር ኮሚሽን ጂቡታዊ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ፣ ኬንያዊ ራይላ ኦዲንጋን ወዲ ማዳጋስካር ሪቻርድ ራንድሪያማንድራቶ’ውን ተወዳዲሮም ነይሮም።
ኣብ መንጎ ራይላ ኦዶንጋን ዑዉት ማሕሙድን ድሕሪ ዝተኻየደ ንስለስተ እብረ ዝኸደ ድምጺ ምሃብ ድማ ኣብ መወዳእታ ዕዉት ጁቡታዊ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ማሕሙድ ዓሊ የሱፍ ኮይኑ ተመሪጹ ነቲ ሕብረት ክመርሖ’ዩ።ወዲ 60 ዓመት ማሕሙድ፡ ንጂቡቲ ከም ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ካብ 2005 ዝመርሐ’ዩ።
ሕጂ ድማ ንኣፍሪቃዊ ሕብረት ኰይኑ ንዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመታት ክመርሕ’ዩ።
ሙሳ ፋኪ ማሃማት ንዝሓለፈ 8 ዓመታት ዝመርሐ ምንንባሩ ይዝከር።
ቅጥዒ